ኤርትራዊ ስደተኛ ብኸመይ’ዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጨውዩ ተቐቲሉ?

ቢቢሲ ብዛዕባ’ዚ ቅትለትን መንነት እቲ ግዳይን ኣመልኪቱ ኣባላት ስደራቤቱ ኣዘራሪቡ ነይሩ።

በዓልቲ ቤቱ ኣብርሀት ምላሽ ከምኡ’ውን ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብታ ዕለት ዘጋጠመ ነገር ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።

ኣቐዲሙ ኣብ መዓስከር ማይዓይኒ ዝነብር ዝነበረ ኣቶ ለምለም በርሀ ይበሃል። እዚ ዕድመኡ 50 ዓመት ዝዀነ ስደተኛ ኣቦ 7 ቈልዑ እዩ።

ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽእ 15 ዓመታት ገይሩ’ዩ። ቤተሰቡ ድማ ምስኡ ተጸንቢሮም ምንባር ካብ ዝጅምሩ 10 ዓመታት ተቘጺሮም ኣለዉ።

እዛ ኣብ ሃገራ ቅሳነት ዘይረኸበት ስድራቤት ግን ኣብ ማይዓይኒ ዝተፈልየ ነገር ኣይገጠማን።

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ተወሊዑ። ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ዝነበራ ኵለን እተን ኤርትራውያን ዝዕቈቡለን ዝነበሩ መዓስከራት ምሉእ ብምሉእ ዓንየን እየን።

ኣብተን መዓስከራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ናብ ፈቘድኡ ክበታተኑ ከምዝተገደዱ ዝፍለጥ እዩ።

እዛ ግዳይ ስድራቤት’ውን በዚ ምኽንያት ካብ መዓስከር ማይዓይኒ ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከምዘምርሐት ወይዘሮ ኣብርሀት ምላሽ ተረድእ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝቘመ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብብዝሒ ስደተኛታት ዝተጨናነቐን ውሑስ ጸጥታዊ ኵነታት ዘይብሉን ኰይኑ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ግዳያት መጭወይቲ፡ ክትራንን፡ ስርቂን ቅትለትን ይዀኑ ከምዘለዉ ጸሓፊ’ቲ መዓስከር ኣቶ ዮሴፍ ገብረንጉስ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ጠቒሱ ነይሩ።

ወይዘሮ ኣብርሀት እውን ንኣስጋእነትን ጸጥታዊ ኵነታትን እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቘመ መዓስከርን እታ ከተማ ብሓፈሻ ዘለዋ ጸጥታዊ ኵነታትን ከተረድእ እንከላ፡ “ጸጥታ የለን፡ ሓላዊ የለን...ኣእዊኺ ዝረድኣኪ ሰብ የለን። ወተሃደር ኣይረድኣኪ ገለ ኣይረድኣኪ፤ ወተሃደር እንተመጸ፡ ንሶም እውን ሰብ ብረት ስለዝዀኑ ይቐትልዎ” ብምባል ህጻናት’ውን ይጭወዩ ከምዘለዉ ትዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ኣማን መሓመድ፡ ኣብ ትምህርቲ ውዒሉ ናብቲ መንበሪኡ መዓስከር ኣለምዋጭ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን ከም ዝተጨውየን፡ ብገንዘብ ከምዝተፈትሐን ተገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብርሀት፡ ኣብታ በዓልቤታ ዝተጨወያላ መዓልቲ ጓላ ከተሕርስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዳ ከምዝነበረት ትዛረብ፤ ብዛዕባ እታ መዓልቲ ካብ ደቃን ካብ ጐረባብትን ዝረኸበቶ ሓበሬታ መሰረት ገይራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቶም ጨወይቲ ዓርቢ ለይቲ እዮም መጺኦም።

“ኣርባዕተ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ንበረኻ ወሲዶም ኣብ በረኻ ከምዝቐተልዎ እዮም ነጊሮምኒ” ትብል።

‘እንታይ ኣለኩም? ሞባይል ኣለኩም’ዶ?’ ኢሎም ድሕሪ ምሕታተት ንበዓል ቤተይ ‘ነዓ ደሊናካ ኣለና’ ከምዝበልዎ ወዳ እዩ ነጊሩዋ።

‘እቶም ክልተ ንዓይ ሒዞምኒ፡ እቶም ክልተ ንዕኡ ሒዞምዎ ከይዶም። ብድሕሪኡ ንዓይ ገዲፎምኒ ከይዶም’ ክብል ወዳ ይገልጽ።

‘እታ ሞባይልካ ተማልኣያ’ ከምዝበልዎ እውን ወሲኹ ነጊርዋ።

ንዝምልከቶም ኣካላት፣ ንእንዳ ኣራ ከሙኡ'ውን ንፖሊስ ተሓቢሩ። ይኹን እንበር ወተሃደራትን ሲቪላትን ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

‘ምሸትን በረኻን ስለዝዀነ ተመሊስና’ ከምዝበልዋ ኣብረሀት ትገልጽ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ለይቲ እዩ።

ኣብርሀት ቀዳም መዓልቲ ሬሳኡ ከምዝተረኸበ ሰሚዓ።

“ኣበይ ከምዝተረኸበ ግን ሕጂ'ውን ንጹር ዝፈልጦ ነገር የለን። ኣብ በረኻ ተቐቲሉ ከምዝተረኸበ ግን ሓቢሮሙኒ።”

ስርዓተ ቐብሪ ኣቶ ለምለም በርሀ ብቐዳም ኣብ ኣለምዋጭ ተፈጺሙ ኣሎ።

መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል እታ ስድራቤት አውን፡ እቶም ዕጡቓት ለይቲ ከባቢ ሰዓት 11 መጺኦም ንኣቶ ለምለም ባኣስገዳድ ከምዝወሰድዎ ይገልጽ።

“ካብ መዓስከር መንገዲ ሰዓት ኬድካ ጭላ ዝበሃል ቦታ እዩ ተረኺቡ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ሬሳ ብሕክምና ምስ መጸና ኢና እንተረኣናዮ ንሱ ዀይኑ ጸኒሑና” ብምባል እቲ ሬሳ ናይ ለምለም ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ሓቢሩ።

ብዛዕባ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዝምልከት ምስተሓተተ ግን “ኣብ ስርዓተ ቐብሩ ስለዝነበሩ ናብ ሰበመዚ እቲ ከባቢ እንተትድውሉ ጽቡቕ ነይሩ” ኢሉ።

ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ዳባት ተደጋጋሚ ፈተነ እንተተገበረ’ውን ጻዕሩ ኣይሰመረን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ስለ ስተቛረጹ ካብታ ስድራቤት ስእሊን ስእላዊ ሓበሬታን መነባብሮ እቲ መዓስከር ክንረክብ ኣይከኣልናን።