ተዘራርብ ዘላ መጽሓፍ ‘ኮኾብ ሰሜን’ ትሕዝቶኣ እንታይ እዩ፤ ዶር. ፍጹም ከ መን እዩ?

እታ መጽሓፍ፡ ናይቲ ኣብ 1943 ዝተወልደ ፍጹም፡ ብፍላይ ድማ ቅድሚ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝነበረ ፍጻመታት ታሪኽ ገድላዊ ህይወቱ ብሓፈሻ ኣተኲራ ስለዝተጻሕፈት፡ ዓመታት ዝወሰደ ከቢድ ስራሕ ምእካብ ሓበሬታ፡ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ምርግጋጽን ዕቱብ ስራሕን ከም ዝተኻየደላ እዩ መምህር መኮነን ዝገልጽ።

ብዙሕ ካብቲ ኣብቲ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ዛንታ፡ ጸሓፊ ባዕሉ ብቐጥታ ዝተሳተፎ ዘይኰነስ፡ ካብ ስድራቤት እቲ በዓል ዛንታ ኣትሒዝካ፡ መማህርቱ፡ መጋድልቱን ብቐጥታ ንዕኡ ከም ሰብ ዝፈልጥዎ፤ ነቲ ዝነበረ እዋንን ኵነታት’ውን ዝፈልጥዎን ዝሰነድዎን ወይ ነዚኣቶም ይፈልጡ እዮም ዝተባህሉ ሰባት ኣናዲኻ ሓበሬታ ምእካብ ነዊሕ ዓመታት ከምዝወሰደ ዘዕልል - መኮነን ተስፋይ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ፡ ብዙሓት ኣብ ንዝተሳተፍዎ ሓደ ክፋል ሃገራዊ ታሪኽ ኤርትራን ቃልሳን ማእከል ገይሩ ዝጸሓፍ መጽሓፍ፡ ጥንቃቐን ኣመና ዕቱብ ኣተሓሕዛን ስለዝደሊ ነቲ ስራሕ ከምዘኽበዶ ንምርድኡ ኣየጸግምን።

ኣብ ርእሲ’ኡ፡ ኣብ ስደት ኴንካ ካብቲ ቀንዲ ምከና ዛንታ ርሒቕካ፡ ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ፋሕ ኢሎም ካብ ዘለዉ ሰባት ሓበሬታ ክትእክብ፡ ገሊኡ ፍቓደኛ ዘይከውን... ገሊኡ ኣብ መንጐ ሓሳቡ ዝቕይር...፡ ገሊኡ ምስ ምስሩት ወይ ካልኦት ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝዋቓዕ ምስ ዝኸውን ንምርግጋጹ ካልኦት ሰባትን ሰነዳትን ምውካስ፡ ዝርዝራት ምፍታሽ ዝተሓልፈ ብድሆ ቀሊል ከምዘይነበረ ይገልጽ።

ዶ/ር ፍጹም መን እዩ?

ተምሃራይ ፍጹም ኣብ መደረ

ምንጪ ስእሊ,KOKOB SEMIEN

መግለጺ ስእሊ,ተምሃራይ ፍጹም ኣብ መደረን ስነጽሑፍን ጸብለል ዝበለ ምንባሩ ይዝንቶ

ኢጣልያ ግዝኣታ ኣብ ኤርትራ ኣደልዲላ ኣብ 1935-1936 ንኢትዮጵያ ወሪራ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን፡ ብላታ ገብረስላሴ መዓሾ ብመንግስቲ ኢጣልያ ንወረዳ ተምቤን ከመሓድሩ ተመዚዞም ናብ ትግራይ ከዱ። ስድራቤቶም ድማ ኣብ መቐለ መነባብሮኣ ገይራ ፡ ካብ ተንቤን ንመቐለ እናተመላለሱ ኣብ ዝሰርሑሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብ8 ሰነ 1940 ፍጹም ኣብታ ከተማ - መቐለ - ተወልደ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ማሕበረ-ቍጠባዊ ኵነታት እቲ ሕብረተሰብ፡ ኣነባብራን ካልእ ሰኒዳ ኣብ ዘላ መጽሓፍ ኮኾብ ሰሜን ድማ፡ ኣተዓባብያኡ ብዝርዝር ይንበብ።

ደሓር ግን እታ ስድራ ናብ ሃገራ ምስተመልሰት፡ ኣብ ዓዲቐይሕ ህይወታ ቀጸለት፤ ፍጹም ድማ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዓዲቐይሕ ተማህረ።

ኣብቲ እዋን፡ ካብ ከተማታት ዓዲቐይሕ፡ ሰንዓፈን ሰገነይትን ዝመጽኡ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ብሓባር ገዛ ተኻርዮም ወይ ኣብ እንዳ ቀረባ ቤተሰብ ተጸጊዖም ኣብ ደቀምሓረ ይመሃሩ ከም ዝነበሩ እታ መጽሓፍ ነቲ ዝነበረ ኵነታት መነባብሮን ህይወት ተምሃሮን ተዘንትዎ።

ፍጹም ግን ብውሳነን ጻዕሪን ኣደኡ፡ ናብ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ከይዱ ኣብ ኣስመራ ትምህርቱ ክቕጽል ተገብረ። ኣብ ኣስመራ፡ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ (ቀሃስ) ናይ ሕጂ ቀይሕ ባሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዘመ። ክንዮ ኣካዳሚያዊ መንፍዓት ኣብ ጐድናዊ ንጥፈታት ከም መደረን ስነጽሑፍን ንጡፍ ምንባሩ ዝዝንተወሉ ፍጹም፡ ኣብ ማትሪክ ልዑል ነጥቢ ኣመዝጊቡ፡ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣምርሐ።

ኣብኡ ግን ከምቲ ዝሓሰቦ፣ ኣብ ኮሌጅ ህንጻ ኣትዩ መሃንድስ ክኸውን ዝነበሮ ሕልሚ ኣይሰመረን። መማህርቱ ምስ ዝነበሩ - በላይ ጊዮርጊስ (ወዲ ጆርጆ)፡ ኣፈወርቂ ኣብርሃን እዮብ ገብረኣምላኽን፡ ወተሃደራውያን መኰንናት ንክዀኑ ምስ 4ይ ዙርያ ሰልጠንቲ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ሃረር ክጽንበሩ ተወሲኑ ጸንሖም።

ኣብዚ መጽሓፍ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ኮሌጃትን ኣቃውማኡ፡ ዓቕሙን ትሕዝቶኡን ብዝርዝር ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ብፍላይ ኣብ እዋን ንግስነት ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝነበረ ስነፍልጠታዊ ምልመላ ወተሃደራውያን መኮንናትን ዝነበረ ብቕዓትን ዝእምት እዩ። እቲ ፍሉጥን ብዙሓት ፍሉጣት ጀነራላትን ኢትዮጵያ ዝፈረይሉ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ሃረር ድማ ብኸመይ ተመስሪቱን፡ ዝነበሮ ትሕዝቶን፡ ጸሓፊ መጽሓፍ መኮነን ተስፋይ፡ ርእሱ ዝኸኣለ መጽናዕቲን ወኸሳታትን ብምክያድ፡ ነቲ መጽሓፍ ብዘድሊ መጠን ኣስፊርዎ ይንበብ።

ፍጹም ኣብቲ ድሕሪ’ኡ ድሕሪ 10 ዓመት - ኣብ 1971 - ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክጋደል ኢሉ ክስለፍ እንከሎ፡ ምስቶም ኣብ ጀብሃ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ማለት ቻይና፡ ኲባ፡ ዒራቕ፡ ሶርያን ካልኦት ሃገራትን ከይዶም ወተሃደራዊ ትምህርቲ ዝቐሰሙ ቀዳሞ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት፡ ብወተሃደራዊ ቋንቋ ቀልጢፉ ክረዳዳእ ዘኽእሎ ናይ ሓደ ዓመት ትምህርትን ታዕሊምን ኣብ ሃረር ወሰደ።

ውትህድርና ግን ካብ ፈለማኡ’ውን ስለዘይተቐበሎ፡ ብሰንኪ ሕማም ንውትህድርና ዘይበቅዕ ‘ኣንፊት’ ተባሂሉ ካብቲ ኮሌጅ ከምዝወጽእ ተገብረ። እዚ ንምግባር ዝተሓልፈ መስርሕን ግን ቀሊል ኣይነበረን፤ ጸሓፊ ካብ ስድራቤትን ኣብቲ እዋን ኣብ ሃረር ንዝነበሩ መማህርቱን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዕሩኽቱ ንዝነበሩ ሰባትን ኣዘራሪቡ፡ ክረኽቦ ንዝኸኣለ ሰነዳት ፈቲሹ ሰኒድዎ’ሎ።

ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ሃረር

ምንጪ ስእሊ,KOKEB SEMIEN

መግለጺ ስእሊ,ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ሃረር

ንትምህርቲ ናብ ዩጐዝላቭያ

ፍጹም፡ ካብ ሃረር ኮሌጅ ድሕሪ ምቍራጹ፡ ኣብ ባንክ ኢትዮጵያ ስራሕ ጀሚሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ፡ ንዩጐዝላቭያ ዕድል ማህደረ ትምህርቲ ረኺቡ ንቤልግሬድ ዝኸደ። ኣብቲ ሃገር ኣቐዲሙ ኤሌክትሪካል ምህንድስና፡ ደሓር ከኣ ብኑክሌየር ፊዚክስ ብዶክትረይት ከምዝተመረቐ፡ ኣብታ መጽሓፍ ሰፊሩ’ሎ።

ዶር. ፍጹም፡ ኣብቲ ሃገር ካብ ዝኣተወሉ ኣትሒዙ ዝነበረ ተመኵሮኡ፡ ዝስምዖ ዝነበረ ናፍቘትን ዝተፈላለዩ ስምዒታትን ካብቲ ንኣሕዋቱ ዝጽሕፎ ዝነበረ ደብዳበታት ብምውካስ ብዝርዝር ኣስፊርዎ’ሎ።

መዓልታዊ ተመኵሮኡ ኣብ 10 ዓመት ትምህርቱ ኣብ ቤልግሬድ ብምልኣትን ብስፍሓትን ምዝንታዉ ዘኽእል ሓበሬታ ንምርካብ ቀሊል ኣይመስልን። ኣብቲ እዋን ኣብታ ሃገር ይዅኑ ኣብ ሪፓብሊካት ሕብረትሶቭየት ነበር ይዅን ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ዝምሃሩ ዝነበሩ ሓያለ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከምዝነብሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ሰባት ንምርካብ፡ ረኺብካ’ውን ትደልዮ ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይስትውዓል፤ ጸሓፊ’ውን ንብድሆታቱ ጠቒሱ ኣሎ።

ሓደ ካብ መማህርቱን መዳቕስቱን ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ፈለቀ ገድለ-ጊዮርጊስ፡ ድሕሪ ትምህርቱ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 1977 ክሳዕ 1983 ንሽዱሽተ ዓመታት ከም ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኰይኑ ከገልግል በቒዑ ነበረ።

ዶክተር ፈለቀ፡ እታ መጽሓፍ ኣብ ዝተሓትመትሉ፡ ብስደት ኣብ ኣሜሪካ’ኳ እንተነበረ፡ ብተሌፎኑ ይዅን ብኢመይል ክርከብ ከምዘይተኻእለ ተጠቒሱ’ሎ።

ብዛዕባ እቲ ናይ ትምህርቲ ህይወቶም ኣብ ዩጐዝላቪያ ክህቦ ዝኽእል ዝነበረ ቀጥታዊ ሓባራዊ ተመኵሮኦም ክርከብ ዘይምኽኣሉ ድማ ነዛ መጽሓፍ ኣብዚ መዳይ ሃጓፍ ከምዝፈጠረላ ይግመገም። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ገለ እዋን ምስ ሓደ ቀረባ ቤተሰብ ፍጹም ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተራኸቡሉ ካብ ዘዕለሎ ገለ ተጠቒሱ’ሎ።

ድሕሪ ምብትታን ዩጐዝላቭያ’ውን፡ ኣብታ ንቤልግሬድ ርእሰከተማኣ ዝገበረት ሰርብያ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲታት ሰነዳቱ ስለዘተበታተነ፡ ካብቲ ትካል ትምህርቲ ክርከብ ዝኽእል ዝነበረ ኣካዳምያዊ ታሪኽ እውን ኣይተሰነደን።

እንተዀነ፡ ኣብቲ እዋን ምስ ሓንቲ ሰርብያዊት ፍቕሪን ሓዳርን መስሪቱ ምንባሩን ውላዱ ኣብ ኣሜሪካ ይነብር ከምዘሎን ተገሊጹ’ሎ። ቅድሚ ሓዳር፡ ኣብ ምውቕ ፍቕሪ ኣብ ዝነበረሉ፡ ነቶም ክቕበሉኒ ኣይክእሉን እዮም ኢሉ ዝገመቶም ስድራቤቱን ስምዒታቱ ዝገለጸሉ ምቕሉል ደብዳበታት ድማ ከምዘለዎ እታ መጽሓፍ ኣስፊራቶ’ላ።

ምጽንባር ናብ ቃልሲ

ተጋዳላይ ፍጹም

ምንጪ ስእሊ,KOKEB SEMIEN

ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 1970፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ዝምሃሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከካብ ዝምሃሩሉ ሃገራት ናብ ጀርመን ከተማ ሙኒኽ ወሓዙ። ኣብቲ እዋን ኣብ ጀርመን ሙኒኽ ዝተኻየደ ዋዕላ ኤርትራውያን፡ ትሕዝቶኡን መንፈሱን፡ እቶም ነተን ሽዑ ዝነበራ ዝተፈላለያ ሃገራውያን ሓይልታት ዝድግፉን ዝቃወሙን ተምሃሮ ሃገራት ኣውሮጳ ብዝርዝር፡ ካብቶም ብህይወት ዘለዉ ገለ ሰባትን ሓደ-ሓደ መወከሲታትን ዝተኣከበ ሓበሬታ ሰፊሩ’ሎ።

ካብዚ ብምንቃል፡ ኣብ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ዝነበሮ ተገዳስነት ዝተራእየ ዶር. ፍጹም፡ ብመገዲ ገዲም ተቓላሳይ ሕሩይ ተድላ ኣብቲ ብድሕሪኡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንኽሳተፍ ዕድመ ከምዝቐረበሉ ይግለጽ።

ዶክተር ፍጹም ምስ ብጻዩ ዶክተር ኣረጋይ ሃብቱ ካብ ዩጐዝላቭያ ከም ዝውከሉ ተገብረ። ዶክተር ኣልጋነሽ ጋንዲ፡ ኢንጅነር ከሊፋ ዑስማን፡ ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ፡ ጅምዕ መሓመድ ካብ ኢጣልያ፡ ካልኦት ድማ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ካርቱም ተራኸቡ። ብድሕሪኡ ዝዀነ ርክባትን ፍጻመታትን ድማ ኣብታ መጽሓፍ ብሰፊሑ ሰፊሩ’ሎ።

ኣብቲ ኣብ ኣር ዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ኤርትራ ኣብ 1971 ዝተኻየደ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኰይኑ ተመርጸ።

ፍጹም፡ ነቲ ዝነበሮ ናብራን ዕድላትን ሓዲጉ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክተርፍን ክጋደልን ወሰነ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ሓደ ወርሒ ግዜ ጉባኤ ካብ ዝተኻትዑሉን ዝተዘራረቡሉን ጕዳይ፡ ዛዕባ’ቶም ምስ ስርዓት ሃይለስላሴ ዓጢቘም ዝነበሩ ኤርትራውያን ነጭለባሽን ኩማንድስን ኰይኑ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ቃልሲ ንኽስለፉ ክግበር ዝግባኦን ዝተገብረን ስርሓት ዝርዝራቱ፡ ምስ ኣበርክቶ ተጋዳላይ ፍጹም ገብረስላሰ ተሳንዩ ቀሪቡ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ህዝቢ ከበሳታት ኤርትራ ኣብቲ እዋን ምስ ተጋድሎ ሓርነት ዝነበሮ ዝምድና ትሑት ብምንባሩ፡ ብዓቢኡ’ውን እቲ ሰውራ ናይ ኣስላም’ዩ ዝብል ዝነበረ መረዳእታ ንምቕያርን ህዝቢ ከበሳ ኣብ ሰውራ ንኽዓስል ኣበርክቶ ክገብር ዝተበገሰሉ ዕማም ነበረ።

ጐድኒ ጐድኒ’ዚ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት፡ ክሳዕ እቲ ጕባኤ ዝተኻየደሉ ግዜ ብዓረብኛ እንተዘይኰይኑ ብትግርኛ ዝዳሎ ውድባዊ መጽሔት ይዅን ክፍሊ ዜና ብዘይምንባሩ፡ ምስ ዝነበሮ ዝንባለ ስነጽሑፍን ክእለትን ነቲ ዝቐውም ክፍሊ ዜና ትግርኛ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ መጽሓፍ ኮኾብ ሰሜን ኣስፊራቶ’ላ።

ራቲፊካ - ሰርቢያዊት በዓልቲ ቤት ዶ/ር ፍጹም ምስ ወዶም ሲስኮ

ምንጪ ስእሊ,KOKEB SEMIEN

መግለጺ ስእሊ,ራቲፊካ - ሰርቢያዊት በዓልቲ ቤት ዶ/ር ፍጹም ምስ ወዶም ሲስኮ

ጕዕዞ ንኸበሳ

እዚ ዝተጠቕሰ ዕማማት ሒዙ፡ ዶ/ር. ፍጹም ናብ ከበሳታት ኤርትራ ክድይብ ይነብሮ፤ እቲ ጕዕዞ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ መገዲ ዝተገብረ ዝርዝር ዕማማት፡ ነቲ ቃልሲ ናጽነት ዘገድሱ ፍጻመታትን ርክባትን እናዓመምካ፡ ብርሕቀት ቦታ ጥራይ ዘይኰነስ ብጻዕቂ ንጥፈታት ዝመልአ ነዊሕ ጕዕዞ ከምዘካየደ፡ ምስ ኵሉ ዝርዝራቱ ሰፊሩ’ሎ።

ፍጹምን ኣባላቱን፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብትግርኛ ዝተዳለወ መጽሔት ሒዞም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት ንህዝቢ እናዓደሉን ናይ ምንቕቓሕ ስርሓት እናካየዱን ዝተጓዕዝዎ እዩ ነይሩ።

እታ ክፍሊ ዜና ትግርኛ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢታት ቆሓይቶ - ዞባ ደቡብ [ብናይ ቅድም ኣጸዋውዓኡ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ፣ ብምምሕዳራዊ ኣቃውማ ተሓኤ ድማ ምምሕዳር 10] - ዒሽካ ኣብ ዝተባህለ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይደፍርዎ ዝነበሩ ኣጻድፍ ከባቢታት ዓስኪራ ኣድማዒ ስርሓት ከምዝዓመመት እዩ ዝዝንቶ።

“ቀንዲ መደባት ዶክተር ፍጹም፡ ንህዝቢ ከበሳ ምንቃሕን ምውዳብን ኣብ ጐድኒ ሰውራኡ ተሰሊፉ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክቃለስ፣ ነቶም ምስ ስርዓት ሃይለስላሴ ዓጢቘም ዝነበሩ ኤርትራውያን ከኣ ኣእሚንካ፡ ብረቶም ኣንጻር’ቲ ስርዓት ከቕንዕዎ ወይ ንህዝቢ ካብ ግፍዒ ስርዓት ሃይለስላሴ ክከላኸሉሉ ንምእማኖም ነበረ፡” ዝብል ሰፊሩ ንረክብ።

ፍጻመ ዶ/ር ፍጹም

ኣብቲ ኣብ 1973 ዝጋጠመ - ወርሑ ብልክዕ ዘይተፈልጠ - ክፋል ዛንታ’ዚ መጽሓፍ ብቐንዱ ዝጥቀስ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ብማዕርግ ብርጋዴር ጀነራልነት ዝሰርሕ ተጋዳላይ ኣብርሃለይ ክፍለ እዩ።

ዶ/ር ፍጹም ዝሞተሉ ግዜ ወይ ዕለት ብልክዕ ንምፍላጥ ወይ ንምግማት፡ ጸሓፊ ብዙሕ ኣማቲ ሓበሬታታት ኣቐሚሩ ኣሎ። ኣብታ ሞቱ ዘጋጠመትላ ህሞት፤ “ዶክተር ፍጹምን ኣብርሃለይን ነቲ ዝመጽአ ብረት ወላዊሎም ኣጸባቢቘም ናብቶም ኣብ ከተማታት ኣስመራ፡ መቐለ፡ ጐንደርን ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ኰይኖም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ፈዳይን ንኸብጽሑሎም’ዩ መደቦም ዝነበረ፡” ብምባል ነቲ ብረት ኣብ መሬት ፋሕ ኣቢሎም እናፈትሑ ክወላውሉ፡ ይፈታትሽዎን ይገጣጥሙዎን ከምዝነበሩ እታ መጽሓፍ ትነግር።

ድሕሪ’ዚ እዩ፡ ኣብ ኢድ ብ/ጀ ኣብርሃለይ ክፍለ ዝነበረት ብረት ‘ተባሪቓ’ ዶ/ር ፍጹም መይቱ። እቲ ኣዛራቢ ዝኸውን ዘሎ ጉዳይ ኣብዚ እዩ፤ እቲ ፍጻመ ኮነ ተባሂሉ ዝተገብረ ዶ ወይስ ብወዝቢ ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ? ኣብዚ ጉዳይ እታ መጽሓፍ ሰፊሕ ሸፈነ እያ ገይራ ዘላ። ከምዚ ዝበለ ኣብ ዕጹው ገዛ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ካብ ኵሎም እቶም ነታ ፍጻመ ብዓይኖም ብቐጥታ ዝረኣዩ ሰባት ጥራይ እዩ ነታ ሓቂ ምርካብ ዝከኣል - እዚ ግን መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ዘይትረኽበሉ ብርግጽ ቀሊል ኣይኰነን፤ ኣመታት ክህብ ዝኽእል ነገራት ይሃሉ’ምበር ነቲ ስራሕ በዳሂ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ድማ ጸሓፊ፡ ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተገብረ መስርሕ መጋባእያን ዝተዋህበ ፍርዲን ካብቶም ነቲ ጉዳይ ክርኢ ንዝቘመ ፍሉይ መጋባእያ መሪሖም ውሳነ ዝሃቡ ሰባት - ማእከላይ ዳኛ ተጋዳላይ ገብሩ ሓጐስ ኣትሒዙ ንብዙሓት፡ ኣብቲ እዋን ብሓፈሻ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ከባቢ - ምምሕዳር 10 - ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒታት ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣዘራሪቡ’ሎ። ኵሎም ድማ፡ ትዕዝብቶምን ተመኵሮኦምንን መንቀሊ ዝገበረ ዝመስሎምን ዝርድኦምን ርእይቶ ኣብቲ ጉዳይ ሂቦምሉ ኣለዉ። ኣንበብቲ’ውን ካብቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ነቒሎም ርይቶኦምን ሓሳቦምን ክህቡን ክጽሕፉን ይረኣዩ ኣለዉ።

ገበር መጽሓፍ

ተወሳኺ ኣብታ መጽሓፍ

እዛ ኣብ ሸውዓተ ዓበይቲ ምዕራፋት ዝተኸፋፈለት ዓባይ መጽሓፍ፡ እቲ ማእከል ዛንታኣ ዝገበረቶ በዓል ታሪኽ ተጋዳላይ ዶ/ር ፍጹም ገብረስላሰ ምማቱ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፋ ነጊራ እያ ትብገስ። ስለዚ፡ እቲ ተጋዳላይ ‘መወዳእትኡ እንታይ ኮንክኸውን እዩ?’ ኢልካ ትከታተሎ ዛንታ ዘይኮነስ፡ ናብቲ ዝተገልጽ ዛንታ ፍጻመ ከመይ ኢሉ እዩ በጺሑ? ዝዓይነቱ ‘ድራማቲክ ኣይረኒ’ ኣገባብ ትረኻ እያ እትኽተል። ኣብዚ ኸኣ ጸሓፊ ኣንበብቲ ነቲ ዛንታ ክሳብ መወዳእታ ክስዕብዎ ዘኽእል ሓበሬታ - ጸንቂቝ ዘይኰነ መጢኑ - ካብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ በብደረጃኡ ኣቐሚጥዎ ስለዘሎ ንምንባባ ዝስሕብ ቅርጺ ትረኻ ሒዛ ኣላ፤ ብስነጽሑፋዊ ኣቀራርባ ድማ ዝንኣድ ጥበብ ጽውያ ዛንታ ተራእዩ ከም ዘሎ ይግምገም።

ኣብ ርእሲኡ’ውን፡ ኣብ ዙርያ’ቲ ቀንዲ ገጸ ባህሪ - ካብ ልደቱ ክሳብ ሞቱ - ዝጠቓለል፡ ኵሉ ሸነኻት ህይወት፡ ናብራ ስድራቤታት፡ ባህሊን ኣተሓሳስባን፡ ቍጠባዊ ኵነታት፡ ፖለቲካዊ መረዳእታ፡ ኣንባቢ ዝተማልአ ስእሊ ምእንቲ ክረክብ በቲ ሓደ፡ ኣብ ገለ ክፋል ታሪኽ ኤርትራ’ውን ከም መወከሲ ኰይኑ ከገልግል ንኽበቅዕ ዝሕግዝ ኣገደስቲ ፍጻመታት ኣካቲቱ እዩ ክጽሕፎ ፈቲኑ ዘሎ።

በዚ መንጽር እዚ ድማ ጸሓፊ መምህር መኮነን ተስፋይ ዝነኣድ ስራሕ ከምዝዓመመ እዩ ዝግምገም።

እዚ ኰይኑ ግን፡ ነቲ ድሕሪ ሕትመታ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ተራ ኣንበብቲ ኣትሒዝካ ነቲ ምከና ዛንታ [ፍጻመታት ብመንጽር እዋንን ቦታ] ዝፈልጡን ዝሰነዱን ሰባት ዘቕርብዎ ርእይቶታትን፡ ሓሳባትን፡ ከምኡ ድማ ብዓቢኡ ኣብዚ ታሪኽ ቦታ ሒዞም ዘለዉ ሰባት እሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቃሎም ዘይሰፈረ፡ ብዝከኣል መጠን ደጋጊምካ ብቐጥታ ክሕተቱ፡ ወይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ዝበልዎ ደጊምካ ብምፍታሽን ብምግምጋምን ንዅሉ ኣብ ግምት ዘእተወ፤ ኣብ ዝቕጽል ሕታም ሓደ-ሓደ ምትዕርራይ ክግበር ትጽቢት ይግበር።