እስራኤል፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ብዝተላዕለ ባእሲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ካልእ ብኸቢድ ቆሲሉ

ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፈለማ ሓደ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት እቲ ካልኣይ ድማ ብኸቢድ ዝቘሰለ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ እኳ እንተገለጸ፡ ድሕሩ ግን ሓደ ካብኣቶም ከምዝሞተ ሓቢሩ።

እቶም ኣብቲ ባእሲ ዝተሳተፉ ሰባት ኣእማን ይድራበዩ ከምዝነበሩን፡ ኣባትርን በላሕቲ ነገራት ዝሓዙ ከምዝነበሩዎምን'ውን እቲ ጸብጻብ ይጥቅስ።

ምስቲ ዕግርግር ብዝተሓሓዝ ሸመንተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ፖሊስ ገሊጹ።

እዚ ኣብ መንጐ ተጻረርቲ ጕጅለታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጥረ ዳሕረዋይ ዙርያ ዕግርግር መበገሲኡ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣይተገልጸን።

ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ ተልኣቪቭ ግን ሓደ ሓደ ግዜ “ሓደ ጕጅለ ነቲ ካብ ካልእ ጕጅለ ዝመጸ ሰብ ምልላይ እኹል እዩ፣ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ናብ ብዙሓት ሰባት ዝካየድ ባእሲ ክቕየር ይኽእል እዩ፤ ኣብኡ ድማ ኣእማን፡ ኣባትር በላሕቲ ነገራት ይድርበ” ይብል።

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ጕጅለታት ዝረአ ዘሎ ግጭት ዘይተለምደ ኣይኰነን። ኣብ ግንቦት፡ ኣብ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ፍጻመ ሓደ ሰብኣይ ብኻራ ክቕተል እንከሎ፡ ብዙሓት ከምዝቘሰሉን ሰብመዚ ፖሊስ ሓቢሮም ነይሮም።

ምስቲ ኣብ ከተማ ተል-ኣቪቭ ዝሓደረ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር’ውን ልዕሊ 20 ሰባት ተቐይዶም እዮም።

ቅድሚኡ’ውን፡ ሓደ ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑ ኤርትራዊ ስደተኛ ከምዝተቐተለ ይዝከር። ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ገለ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብቲ መዓልቲ’ውን ካልእ ኤርትራዊ ብኸቢድ ተሃሪሙ ኣብ ሆስፒታል ኣትዩ ምንባሩ'ውን ተገሊጹ ነይሩ።

እቲ ህይወት መንእሰያት ዝቐዝፍ ዘሎ ሓድሕዳዊ ረጽሚ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ንኤርትራውያን ከቢድ ስግኣትን ፍርሕን ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ረጽሚ ካብ ፖለቲካዊ ፍልልይ ሓሊፍ ካልእ ፍልልያትን ኣሰካፊ ኣንፈትን ሒዙ ከምዘሎ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

መብዛሕትኡ እዋን እቲ ኣብ መንጐ ኣባላት ገለ ተቓወምቲ ጕጅለታትን ደገፍቲ መንግስቲን ዝርአ ናዕቢ ኣብ ሃገራዊ ጽንብላት ኤርትራ'ኳ ዘጋጥም እንተዀነ እዚ ናይ እስራኤል ግን ኣብ ዝዀነ ቦታን ግዜን ዝፍጸም ምዃኑ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።

በቲ ኵነታት ዝተሻቐለ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኵሎም ኤርትራውያን ጐነጽ ደው ከብሉ ጸዊዑ ነይሩ።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቝባ ከምዘለው ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።