ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ብሓሙስ 26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣስማቶም ዘይጠቐሶም 17 ውልቀሰባት "መስረትቲን ኣባላትን ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ እዮም" ይብል።
"እዚ ጉጅለ'ዚ ዓለምለኻዊ መርበብ ዘለዎ ኮይኑ፡ እዉጅ ዕላማኡ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምዕላው እዩ" ይብል እቲ ቤትጽሕፈት ዘውጽኦ ሓበሬታ።
ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ክልተ ፈስቲቫል ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዕግርግር ከምዝፈጠሩ'ዩ ፖሊስ ገሊጹ ዘሎ።
ኣብቲ ስርሒት ልዕሊ 200 ኣባላት ፖሊስ ይሳተፉ ምህላዎም ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ዛጊት ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብ ከምዘየለ ይጠቅስ።
ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስቲ ጀርመንን ከም ኣባላት ፖሊስ ዝበሉ ስልጣን መንግስቲ ዘለዎም ኣካላት መጥቃዕቲ ምፍጻም ኣካል ናይቲ ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ዘካይድዎ ተቓውሞ ስለዝኾነ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝተገደዱ'ውን እቶም ሰብመዚ ይምጉቱ።
እቲ ጉጅለ ካብ 2022 ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ጨንፈር ብምምስራት "ኣብ ልዕሊ እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውደብ በዓላት" ናይ ሓይሊ ስጉምትታት ክጥቐም ምጽንሑ'ውን እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።
ኣብ ሓምለ 2022፡ ኣብ ጥቃ ፍራንክፈርት ኣብ እትርከብ ከተማ ጊሰን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል ዕግርግር ምስ ተላዓለ፡ 26 ፖሊስ መጉዳእቲ ከጋጥሞም እንከሎ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።
ኣብ መስከረም 2023'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ኣብ ሞንጎ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱን ደገፍቲ መንግስቲን ብዘተላዓለ ዕግርግር 228 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም'ዮም።
ኣብቲ ኣጋጣሚ 26 ፖሊስ ዝርከብዎም 32 ሰባት ብበትሪ ፡ ብተንዲኖ፡ ጠራሙስን ኣእማንን መጉዳእቲ ካብ ዝበጽሖም ፖሊስ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ መስከረም 2024 ሓደ ካብቶም ኣብ ጀርመንን ኣብ ሆላንድን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ጉጅለ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ለካቲት 2024 ኣብ ሄግ ኣብ ዝተኻየደ ዕግርግር ብምስታፉን ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ንኽሳተፉ ብምጉስጓሱን ንነዊሕ ዓመታት ክእሰር ከምዝተፈረደ ፖሊስ ይገልጽ።
ብርጌድ ንሓመዱ፡ ምእኩል ዝኾነ መሪሕነት ዘይብሉን ኣብ ውሽጡ ዝተኸፋፈለን ከምዝኾነ'ዮም ብዙሓት ዝገልጽዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ፖሊስ ብሪጣንያ፡ ኣብ ከተማ ሸፊልድ ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ባእሲ ተሳቲፎም ንዝበሉዎም ናይ 22 ኤርትራውያን ኣሳእል ዘርጊሑ ኣብ ምህዳኖም ተዋፊሩ ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ግጭት ብ25 ግንቦት 2024 ኣብ መንገዲ ዉድቦርን ከም ዘጋጠመ ፖሊስ ሳውዝ ዮርክሻየር ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ዕግርግር ኣብ መንጎ ክልተ ንመንግስቲ ዝድግፉን ዝቃወሙን ጕጅለታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘጋጠመ እዩ። ኣብቲ እዋን ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ 22 ሰባት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን፡ ካብኦም እቶም 10 ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን ይፍለጥ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ዝተወሰኑ ጕጅለ ኣብ ጐደና ዉድቦርን ወዲቖም ዝነበሩ ክልተ ግዳያት ክሃርሙ እንከለዉ ዘርኢ ምስሊ'ውን ተዘርጊሑ ነይሩ።
ምስዚ ብዝተሓዝ ዛጊት 18 ሰባት ብናዕቢን ስርዓት ኣልቦነትን፡ ምሓዝ ሓደገኛ ኣጽዋር ከምኡ'ውን ጉድኣት ብምውራድ ናይ ገበን ክሲ ተመስሪቱሎም ከም ዘሎ መግለጺ ፖሊስ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መበል 33 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝበዓለሉ ቅንያት ኣብ ሓድሓደ ከተማታት ወጥሪ ሰፊኑ ምጽንባሩ ይፍለጥ።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ እስራኤልን ካልእን ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝውደብ ፈስቲቫላትን ጽንብላትን ደማዊ ባእስን ዕግርግርን ክርአ ጸኒሑ እዩ።
እታ ኣብ 1991 ካብ ኢትዮጵያ ምሉእ ናጽነታ ዝተጎናጸፈት ኤርትራ፡ ኣብ 1993 ብወግዒ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ካብ እትምዝገብ ብዘይ ቅዋምን ምርጫን ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ብፕሪዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ያ ትምራሕ ዘላ።
ገለ ክፋል ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብታ ምስ ኤርትራ ኣብ ሓሽካር ዝምድና ዘላ ኢትዮጵያ ኣኼባ ምክያዶም ኣቓልቦ ስሒቦም ነይሮም'ዮም።
መብዛሕትኦም ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ከምኡ'ውን ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ሃዲሞም ኣብ ሃገራት ኣውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ዑቕባ ዝሓተቱ'ዮም።
ኣብ ኤርትራ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት ምስማዕ ይኹን ተቓዋሚ ውድብ ምምስራት ፈጺሙ ዘይሕሰብ'ዩ። ስለዝኾነ ድማ'ዩ ተቓወምቲ ሰልፈታትን ውድባትን ኣብ ስደት ዝንቀሳቐሳ።
ኣብዚ ቀረባ ዓማታት ግን፡ ብዝሕታለ ናይቲ ብ'ተቓውሞ' ወይ 'ደለይቲ ፍትሒ' ዝፍለጥ ሰፊሕ ደንምበ ትዕግስቶም ዝወድኡ መንእሰያት ናብ ጎነጻዊ ኣገባብ ክሰጋገሩ ተራእዮም'ዮም።