ኣብ ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ድማ ክልተ ካልኦት ኤርትራውያን ከም ዝቖሰሉን ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ዳባት፡ ምምሕዳር ጣቢያ ጭላ ነቲ ቅትለት ኣረጋጊፁ ኣሎ። ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ነበርቲን ካብ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ክጋጥሞም ዝውቱር ተርእዮ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ ክብል ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተል ዘሎ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።