ኬንያ፣ ዑቕባ ሓቲቶም ከብቅዑ ብናይ ሃገሮም ፓስፖርት ዝንቀሳቐሱ ስደተኛታት ኣጠንቂቓ

ኣብ ኬንያ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም፣ ግና ብናይ ሃገሮም ፓስፖርት ዝንቀሳቐሱ ስደተኛታት፣ ፓስፖርቶም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ከረክቡ፣ ኮሚሽን ስደተኛታት እት ሃገር ጸዊዑ።

እቲ ኮሚሽን፣ ኣብ ባሕቲ ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኩሎምቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት፣ ብመሰረት ውዕል ጄኔቫ፣ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ መጓዓዝያ ሰነድ ከምዝወሃቦም ብምዝኽኻር፣ ናይተን ሃዲሞም ዝመጽኡለን ሃገራት ፖስፖርት ክጥቀሙ ግና ሕጋዊ ከምዘይኮነ ኣስሚርሉ።

ኩሎምቶም ናይ ሃገሮም ፓስፖርት ሒዞም ዘለዎ ሓተቲ ዑቕባ፣ እዛ ወርሒ ክሳብ እትዛዘም፣ ናብ ክፍሊ ኣግልግሎት ስደተኛታት ከረክብዎ እቲ ኮሚሽን ተማሕጺኑ።

ኣብ ኬንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ተዋሂብዎም ከብቅዑ፣ ናይ ሃገሮም ፓስፖርት ሒዞም ዝተረኽቡ፣ ካብ ምምዛዕ መንበሪ ፍቓድ ስደተኛታት ክሳብ ካብ ኬንያ ምስጓግ ዝበጽሕ ስጉምታት ክውሰደሎም ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ኣብ መወዳእታ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኬንያ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ካብኣቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ተዋሂብዎም ክነሶም፣ ብናይ ሃገሮም ፓስፖርት ከምዝንቀሳቐሱ ዩ ዝግለጽ።