10 ኤርትራውያን ኣትሌታት ንኻልኦት ሃገራት ወኪሎም ኣብ ውድድር ኣትለቲክስ ፓሪስ 2024 ክቐርቡ እዮም

በብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጽኦም፣ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ዝተረፉለን ሃገራት፣ ዕዉታት ስፖርተኛታት ዝኾኑ 10 ኤርትራውያን፣ ነተን ዝነብሩለን ወይ ዜግነት ዝወሰዱለን ሃገራት ብምውካል፣ 26 ሓምለ ኣብ ዝኽፈት ውድድር ኦሎምፒስክ ፓሪስ 2024 ክሳተፉ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዞም ናይ ካልእ ሃገር ተደራቢ ዜግነት ዘለዎም “minima” ዘምጽኡ፣ ክልተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 10ኣትሌታት፡ መቕደስ ወልዱ፣ ኣብ 10 ሽሕ ሜትርን ማራቶንን ንፈረንሳ፡ ወይኒ ቀላቲ፣ ኣብ 5 ሽሕ ከምኡ‘ውን10 ሽሕ ሜትር ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዓወት ኔፍታሌም፣ ኣብ 5 ሽሕ ሜትር ንኖርወይ፡ ኤፍሬም ግደይ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ንኣየርላንድ፣ ፊልሞን ኣብርሃም፣ ኣብ 10 ሽሕ ሜትር ንጀርመንን፡ ዘርኣይ ክብሮም ኣብ 10 ሽሕ ሜትር ከምኡ‘ውን ማራቶን ንኖርወይ፡ ተኽለወይኒ ገብረየሱስ ኣብ ማራቶን ንጋንታ ስደተኛታት፡ ሳሙኤል ፍትዊ፡ እዮብ ፋኑኤልን ታደሰ ኣብርሃምን ኣብ ማራቶን ብቅደም ሰዓብ ንጀርመን፡ ኢጣልያን ስዊዘርላንድን ወኪሎም ክቐርቡ እዮም።

ኤርትራ፣ ኣብ ኦሎምፒስክ ፓሪስ 2024፣ ኣርባዕተ ደቂንስትዮ ብዝርከብኦም፣ 14 ስፖርተኛታት ክትውከል ምዃኑ ኣቐዲሙ ብራድዮ ኤረና ተሓቢሩ‘ዩ።

ኣብዚ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል መበል 33 ውድድር ጸወታታት ኦሎምፒክስ፡ ኤርትራ፣ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ፡ ብ10 ብስፖርታውያን ክትካፈል ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ World Atheltics ዝተረኸበ ዝርዝር መረድኢታት ኣረጋጊጹ።

ኣብ ርእሲ‘ዚ ክልተ ብቅድድም ብሽክለታ ክልተ ድማ ብምሕማብስ ኣብዚ ዓለምምና ብሃንቀውታ ትጽበዮ ዘላ ውድድር ክሳተፉ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብዚ ውድድር ዘሳትፋ ብቕዓት ዝረኸበት፣ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ዓንቀጽ 2.4 ሕጋጋት ጸረ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ጥሒሳ ብዝብል ክሲ ጉዳያ ክሳብ ዝምርመር ንግዚኡ ተቐጺዓ ብምህላዋ፡ ክሳብ እዚ እዋን‘ዚ ተሳትፎኣ ኣጠራጣሪ እዩ።