ብዛዕባ ታሪኽ ኣቶ ኣማኒኤል ኣብራሃም ምንባብ ብመጀመርታ ብዛዕባ ውሽጣዊ መስርሕ መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሰ፡ ቀጺሉ ኸኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ ንክትርዳእ ይሕግዝ።
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣቶ ኣማኒኤል ኣብራሃም ብዛዕባኦምን በቲ ኣብ መንግስታዊ ምሕደራ ዝተጻወትዎ ተራን Reminiscences of My Life (ተዘክሮታት ህይወተይ)፡ ዘርእስቱ መጽሓፍ ጽሒፎም ገዲፎም እዮም። ካብቲ ዘቕረብዎ ዝርዝር ከኣ ኵነታት ኤርትራ ብኸመይን ብመንን ከም ዝተጸልወ ክንግንዘብ ንኽእል።
ኣቶ ኣማኒኤል ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምህናጽን ምክያድን ማሕበረሰብ ‘መካነየሱስ’ ልዑል ተራ ከም እተጻወቱ ምእመናን ሰነዳት ታሪኽን ብኽብሪ የልዕልዎ’ዮም።
መካነየሱስ ምስ ሚስዮን ሽወደን ኤርትራ ዘተኣሳስር ጫልዳ ዝነበሮ ዓቢይ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ እዩ። ብ1860 ኣብ ጸዓዘጋ (ኤርትራ) ዝጀመረ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ሚስዮን ብኣባላቱ ኣቢሉ ዘገም ኢሉ ክሳብ ኢትዮጵያ ብምምጥጣር ኣብ ምምስራት መካነየሱስ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ።
ክሳብ ጂማን ወለጋን ከኣ ልኡኻት ይሰድድ ነይሩ። ኣቶ ኣማኒኤል ከኣ መሰረቶም ካብ ወለጋ’ዩ - ንሶም ሓደ ካብቶም ትምህርቲ ወንጌል ዝጸለዎም ሰብ ነበሩ።
ኣቶ ኣማኒኤል ንሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ መዳያት ፖለቲካ ብእምነት ዘገልገሉ ቢሮክራት እዮም ነይሮም። እቲ ቢሮክራሲ’ቲ ድማ ንጕዳይ ኤርትራ ኰብኲቡ ኣብ ዘይተደልየ መደምደምታ ከብጽሓ ከኣለ። ንኣብነት ኣቶ ኣማኒኤል ንመዓልቲ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብውዳሴን ምስጋናን ዘስፈርዎ ሓተታ ንኤርትራውያን ኣየሐጐሶምን።
ኣቶ ኣማኒኤል ኣብራሃም ብ17 መጋቢት 1913 ኣብ ጊምቢ - ወረዳ ወለጋ - ተወሊዶም፡ ብ2016 ከኣ ዕድመ ጸጊቦም ኣብ 103 ዕድመኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓረፉ።
ኣቦኦም ንኣቶ ኣማኒኤል በቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሚስዮን ሽወደን ኣቢሎም’ዮም ክርስትና ዝተቐበሉ። እቲ ሓድሽ መንፈሳውነት ከኣ ንወዶም ኣውረሱዎም።
ኣቶ ኣማኒኤል ካብ ብንእሽቶኦም ትኩር ብምንባሮም ኣብ ቦጂ ብሚስዮን ዝመሓደር ቤት-ትምህርቲ ኣትዮም መባእታዊ ትምህርቲ ጀመሩ። ኣብኡ ምንባብን ምጽሓፍን፡ ከምኡ ኸኣ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ እናተማህሩ ዓበዩ። ብድሕሪኡ ዕድል ምስ ረኸቡ ድማ ንኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ኣብ ተፈሪ መኰነን ተማህሩ።
ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ክትወርር ክትሸባሸብ እንከላ ንጉስ ሃይለስላሴ ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝርከቡ እሙናትን ጥቅዋትን ሰባት መሪጾም ኵነታት ኢትዮጵያ ንዓለም ንኸረድኡን ኣቤት ክብሉን - ኢጣልያ ዓለምለኻዊ ሕጊ ትጥሕስ ብምንባራ - ንወጻኢ ይልእኩ ነበሩ። ኣቶ ኣማኒኤል ድማ ንኣዛጅ ወርቅነህ ዝተባህሉ - ናይ ጨርጨር ገዛኢ (ወረዳ ሃራርጌ) - ንከሰንዩ ንዓዲ እንግሊዝ ተጓዕዙ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ካብ 1935 ክሳዕ 1943 ጸንሑ።
ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ምስ ወረረት (1935) ጃንሆይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቦም ነበሩ። ሽዑ ኣቶ ኣማኒኤል ምስ ጃንሆይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብምርኻብ ጽቡቕ ዝምድና መስረቱ። ወርቅነህ ብስራሕ ንዓዲ ህንዲ ምስ ተቐየሩ ኣቶ ኣማኒኤል ንኢትዮጳያ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምሉእ-ብምሉእ ወኪሎም ከገልግሉ ጀመሩ። ካብኡ ንንየው በቲ ዝመስረትዎ ዝምድና ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ኣገልገሉ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኰይኖም ንሃገሮም እናገልገሉ ምስ መንፈሳውያን ማሕበራት እንግሊዝ ርክባት ብምምስራት መንፈሳውነቶም ኣማዕበሉዎ።
ኢትዮጵያ ካብ ጣልያን ሓራ ምስ ወጸት ኣቶ ኣማኒኤል ብ1943 ንኣዲስ ኣበባ ተመልሱ፣ ብመንፈሳውነቶም ተደሪኾም ከኣ ኣባል ማሕበር መካነየሱስ ኰኑ።ቀልጢፎም ከኣ ሽማግለ መካነየሱስ ኰይኖም ንከገልግሉ ተመርጹ።
ጸኒሖም ብ1963 ፕረሲደንት መካነየሱስ ኰኑ። ብናይ 2003 ጸብጻብ፡ እቲ ማሕበር ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ኣባላት ነይሮሞ። ንዕስራን ክልተን ዓመት ከኣ ከም ፕረሲደንት ኰይኖም መርሕዎ - ኣብ ግዜ ደርጊ ስርሖም ተዀልፈ።
ኣቶ ኣማኒኤል ብ1943 ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንኢትዮጵያ ምስ ተመልሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋና ዳይሬክተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኰይኖም ተመዘዙ። እንተዀነ በቲ ምስ ንጉስ ዝነበሮም ቅርበት ዝቐንኡሎም ሓለፍቲ ኣይተሳእኑን። ብዙሕ ግዜ ካብ ስርሖም ንኸኳልፉዎም ሓሓሊፎም ንጃንሆይ ሕሹኽ ይብሉዎም ከም ዝነበሩ ይዝንቶ።
ጸገማት እናጋጠሞም ግን ተጊሆም ካብ ምስራሕ ዓዲ ኣይወዓሉን። ብተቀናቐንቲ ካብ ስራሕ ደው ኣብ ዝብልሉ እዋን ንትርፊ ግዜኦም መጻሕፍቲ ኣብ ምትርጓም የሕልፉዎ ነበሩ።
ገለ-ገለ ካብቲ ዝነበሮም ሓላፍነታት ንምጥቃስ፤
ካብ 1949 ክሳብ 1951 ኣብ ኒውደልሂ (ህንዲ) ፍሉይ ልኡኽን ሚኒስተር ምሉእ ስልጣንን ኰይኖም ተሾሙ።
ኣብ ሮማ (1952 ክሳብ 1955) ድሕሪኡ ኣብ ለንደን (1955 ክሳብ 1959) ኣምባሳደር ምስ ምሉእ ስልጣኖም ኰይኖም ተመዘዙ። [ኣብ ሮማ ከለዉ ዘጋጠሞም ጕዳይ ጸኒሕና ክንርእዮ ኢና።]
ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኖም ብናይ ሚኒስተር ስልጣን (1959 ክሳብ 1961) ኣገልጊሎም’ዮም።
ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ይምስረት ስለ ዝነበረ ኣብ ምምስራቱ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮም ይንገረሎም’ዩ።
ምስኡ ኸኣ ከም ሚኒስተር ፖስጣ፡ ቴሌግራፍን ቴሌፎንን (ካብ 1961 ክሳብ 1966)፡ ሚኒስተር መራኸቢታት (ካብ 1966 ክሳብ 1969) ኰይኖም ኣገልገሉ። ከምኡ’ውን ከም ሚኒስተር ዕደና ኰይኖም ካብ 1969 ክሳብ 1974 - ደርጊ ዝመጸሉ እዋን ማለት’ዩ - ኣገልገሉ።
ኣቶ ኣማኒኤል ኣብ ዓዲ ጣልያን ‘ዝፈጸምዎ’ ጌጋ’
“ሰነዳት ስርሐይ ንናይ ኢጣልያ ፕረዚደንት ምስ ኣረከብኩ፡ ምስቶም ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ብጽቡቕ ምስ ተፋለጥኩ፡ ንሒደት ሰሙናት ምስቶም ኣብ ሮማ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት (ዲፕሎማቲክ-ኮር) ዘይረ ብምርኻብ ተፋለጥኩዎም” ይብሉ ኣቶ ኣማኒኤል።
“ኣይጸንሐን፡ ሓደ ጋዜጠኛ ናይ ሓደ መዓልታዊ ጋዜጣ ሮማ - ’ጆርናለ-ዲ-ኢታልያ’ ዝስሙ ጋዜጣ - ብዛዕባ ሓፈሻዊ ርክባት ሮማን ኣዲስ ኣበባን ብዘርኢ ጕዳይ ንቃለ-መጠይቕ ክቐርብ ሓተተኒ። ብዘቕረቦ ሓሳብ ከኣ ተሰማማዕና” ብምባል ቀጸሉ።
እቲ ቃለ መጠይቕ ብ 28 ሰነ 1952 ኣብ ጋዜጣ ተሓትመ። እቶም ሕቶታት ኣብ ርክባት ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዘተኰሩ ኰይኖም ምስኡ ኸኣ ምምላስ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብዘርኢ ጕዳያት ከም ዝነበሩ ኣቶ ኣማኒኤል ይዝክሩ። ብዛዕባ ኣብቲ ዝፍጠር ርክብ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ጕዳይ ምስ ሓተቶም መልሱ ‘ኣብቲ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ዝሰፈረ ርክብ ክኸውን ይግባእ’ ኢሎም መለስሉ። ጸኒሑ እቲ ጋዜጠኛ ብጕዳይ ኤርትራ ሓተተቶም።
“ብዛዕባ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሳ እንታይ ርእይቶ ከምዘለኒ ምስ ተወከሰኒ፡ ኣነ ኸኣ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሳ ንቡር’ዩ - ኤርትራ ካብ ጥንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ምዝካር የድሊ” ኢሎም ገለጽሉ። እቲ ዘመን ፈደረሽን ዝተኣታተወሉ ዘመን ነበረ። ሽዑ እቲ ጋዜጠኛ ኣጥብቕ ኣቢሉ ‘ኤርትራ’ኮ ካብ ኢትዮጵያ ትምዕብል’ ኢሉ ዘረባ ደርበየ።
“ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ክፍለ-ሃገራት ኵሎም’ዶ ምዕባለኦም ማዕረ’ዮም? ኣብ ፈረንሳ ዀነ ካልኦት ሃገራት ከምዚ ዘኣመሰለ ተርእዮታት ምርኣይ ንቡር’ዶ ኣይኰነን?” ኢሎም መለስሉ። ኣብ ነገር ዘእተወቶም መልሲ እምበኣር እዚኣ ነበረት።
ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ትምዕብል ኢልኩም ተባሂሎም ብጸላእቶም ተኸሰሱ። ሓደ ዘይፈለጥዎ ሰብ ቅዳሕ ናይቲ ጋዜጣ ናብ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ብሕቡእ ሰደደ። መደብ ኣቶ ኣማኒኤል ከምቲ ልሙድ ሓደ ሪፖርት ኣዳልዮም ነቲ ቃለ-መጠይቕ ዝሓዘለ ጋዜጣ ኣብቲ ዲስፓች ከቲቶም ንምልኣኽ ነበረ። ጸላእቶም ግን ቀደምዎም።
እቶም ተቐናቐንቲ፡ እቲ ቃለ-መጠይቕ ከም ጥልመትን ዘይብሱል ኣገባብ ስራሕን ጌሮም ንጃንሆይ ኣቕረቡሎም።
ጣልያን ንኤርትራ ከም ንብረቶም ገይሮም ይከናኸኑዋ ስለ ዝነበሩ በቲ እዋን’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝተኸሰተ ምዕባሌ ርኡይን ኵሉ ዝፈልጦን ሓቂ ነበረ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተኸሰተ ምዕባለ ክሒዶም ከኣ ኣቶ ኣማኒኤል “ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከቶ ኣይትምዕብልን!” ኢሎም ኣሉ ብዘይምባሎም እቶም ጸላእቶም ንኽጥቅዕዎም መገዲ ረኸቡ።
ጃንሆይ ጐሃዩ፤ ንኣቶ ኣማኒኤል ከኣ ከም ዝተቐየሙ ዘርኢ መልእኽቲ ለኣኹሎም። “ነቲ ጋዜጠኛ ዝሃብካዮ ሓበሬታ ከም ድላዩ ጠምዚዙ ኣንጻርና ከቕርቦ ከም ዝኽእል ክርድኣካ ነይሩዎ” ኢሎም ብጽሑፍ ገሰጽዎም።
ኣቶ ኣማኒኤል ነቲ ቃለ-መጠይቕ ከም ዝነበሮ ናብ ኣምሓርኛ ተርጕሞም ናብ ጃንሆይ ለኣኹዎ። እቲ ምስ ንጉስ ዝነበሮም ርክብ ንኸይበላሾ ኸኣ ተጠንቂቘም መልሲ ለኣኹሎም። ንጃንሆይ ዘቐይም ጕዳይ ብምርካቡ ኸኣ ብጣዕሳ ጸሓፉሎም። ብዛዕባ ኤርትራ ንዝተላዕለ ጕዳይ ንኸጠዓዕሙ’ምበር ከበላሽዉ ከም ዘይነበረ ኣስፊሖም ብጽሑፍ ገለጹ።
እቲ ነቲ ጋዜጠኛ ዝተዋህበ መልሲ ኣብ ቦታኡ ኣሎ ኢሎም ኣይመለሱን፤ እንታይ ደኣ ካብ ናይ ሓቂ ትሕዝቶኡ ተጠምዚዙ ብምቕራቡ ከም ዘሕዘኖም ገለጹ።
ንኤርትራ ማዕረ ኢትዮጵያ ኣነጻጺሮም ዘይኰነስ ካብ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያ ትምዕብል ከም ማለት ምንባሩ ኣስሚሮም ገለጹ። እቶም ከሰስቶም ብግልጺ ክፈልጥዎም ብዘይምኽኣሎም ግን ምስ መን ከም ዝካትዑ ሓርበቶም።
እቶም ጸላእቶም ኣንጻር ረብሓታት ኢትዮጵያን ኣንጻር ፖሊሲ ሃይለስላሴ ብጌጋ ከም ዝተዛረቡ ገይሮም ኣቕረቡዎ፤ ኣቶ ኣማኒኤል ከኣ ነብሶም ንኸውጽኡ ደጋጊሞም ክካትዑ ከንቱ ኰይኑ ረኸብዎ።
ኣብ መወዳእታ “ብፍቓድ ኣምላኽ” እቲ ጕዳይ ሃድአ ይብሉ ኣቶ ኣማኒኤል። ካብ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ደሓኑ፤ ኰይኑ ድማ ከም ኣምባሳደር ስርሖም ክቕጽሉ ተፈቕደሎም። ጸላእቶም ከኣ ናይ ልቦም ስለዘይሰመረሎም፡ ካብ ምጾቱ ብምድሓኖም ጸሎቶም ኣዕረጉ። ብዛዕባ ኤርትራ ኸኣ ዘረባ ከይሞሎቘም ንሰለስተ ዓመት ኣብ ሃገር ኢጣልያ ኰይኖም ንኢትዮጵያ ወኪሎም ሰርሑ።