ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ንፍትሒ ብሓባር ደው ዝበሉሉ ዘሕዝን ፍጻመ ህንጻ ግረንፈል

ካብ ክልቲኡ ሕብረተሰብ ልዕሊ ፍርቂ ህጻናት ዝርከቡዎም 12 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ጎንጺ ታሪኽ ክህሉ ይኽእል እዩ፤ ኣብ ለንደን ዝርከቡ ኣባላት ክልቲኡ ሕብረተሰብ ግን በቲ ዘጋጠሞም ሓደጋ ብሓባር ሓዚኖም፡ ጒህዮም፡ ንሓድሕዶም ተጸናኒዖም። ሕጂ ከኣ ብሓባር ፍትሒ ንክረኽቡ ይቃለሱ ኣለው።

ኣብዚ ቅንያት እዚ ንመበል ሻብዓይ ዓመት ናይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምዝካር ይሸባሸቡን ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ናይቲ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ተሓቲሙ ዝወጽእ ህዝባዊ መርመራ ክሰምዑን ይዳለዉ ኣለዉ።

በድርያን ሓዋ ሳዲቕን፡ ብሰንኪ’ቲ ባርዕ ሓፍቶም ምስ ሰብኣያን ሰለስተ ደቆምን ተጐዲኦሞም።

ከም በዓል በድርያን ጀማል ቀልበቶን ዝኣመሰሉ ንሓዘን ዝተቓልዑ ኣባላት ክልቲኦም ማሕበረሰብ ቅድሚ ሕጂ ንማዕከናት ዜና ስምዒቶም ገሊጾም ኣይፈልጡን እዮም።

በድርያ፡ ብሰንኪ’ቲ ባርዕ ጓል 35 ዓመት ሓፍታ ኑራን ወዲ 33 ዓመት ሰብኣይ ሓፍታ ሃሺምን ስኢና።

ሰለስተ ደቂ ኑራን ሃሺምን እውን ሞይቶም። ወዲ 13 ዓመት ወዶም ያሕያ፡ ጓል 12 ዓመት ጓሎም ፊርዳውስን ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ንእሽቶ ወዶም ያቁብን እውን ሞይቶም።

"ፍቱዋት ስድራ ቤት" ኢላ እትገልጾም በድርያ፡ "ዝዀነ ሰብ ከምኡ ከጋጥሞ ኣይምነን’የ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ስድራቤቱ ምስኣን [ከቢድ’ዩ]። ኣእምሮይን ኣካለይን እዩ ዘሕመኒ" ትብል።

ንሳ ነታ ቅድሚ 7 ዓመት ዘጋጠመት ናይ ጥፍኣት መዓልቲ ክትዝክር እንከላ፡ "ንጉሆን ምሸትን ንሓፍተይ ኣዘራሪበያ፡ ንጽባሒቱ ግን ንሓዋሩ ስኢነያ" ትብል።

በድርያን ሓዋ ሳዲክን፡ ሓፍቶምን ሓሙኦምን ሰለስተ ደቆም ስኢኖም
መግለጺ ስእሊ,በድርያን ሓዋ ሳዲክን፡ ሓፍቶምን ሰብኣይ ሓፍቶም ሰለስተ ደቆም ስኢኖም

'ምውቕቲ ስድራቤት'

ሓው በድርያ ሳዲቕ፡ ነቲ "ኣብ ዘለኹሞ ጽንሑ" ዝብል መምርሒ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ለንደን ይነቅፍ። እቲ ባርዕ ምስ ኣጋጠመ እቶም ነበርቲ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ክሳዕ ዝመጽኡን ዘድሕኑዎምን ካብቲ ህንጻ ከይወጹ ተነጊርዎም።

"[ሽዑ ኣብቲ ህንጻ] እንተዘይጸንሑ ነይሮም ሎሚ ብህይወት ምሃለዉ" ይብል።

ሓፍቱ " ቋንቋ ኣይትብል ሃይማኖት” ምስ ኩሉ ሕውስቲ ምንባራ ይዛረብ።"ምውቕቲ ስድራቤት እያ ነይራ፡ ጽቡቕ ኣተዓባብያ ነይርዎም" ክብል ይገልጻ።

"ጓል ኑራ ከም ኣዲኣ በላሕ እያ ነይራ። ብፋውንዴሽን ቢል ጌትስ ተሸሊማ’ያ። ንስድራቤታ ኰይና ንሃገር ምኾነት ነይራ።"

ሳዲቕን በድርያን ኣብ ኢትዮጵያ እዮም ዓብዮም። ኣብ ወርሒ ጥሪ ባርዕ ግረንፈል ኣብ ዝተዘከረሉ ሰሙን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝቐረቡ ኣባላት ጉጅለ ኢትዮ-ኤርትራ እዮም።

እዚ ዝኽሪ ስድራቤታት፡ ምስቶም ብሚልዮናት ዝቑጸር ናይ ካሕሳ ፍትሒ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት ብኣካል ተራኺቦም ንምዝርራብ ዕድል ንኽረኽቡ ዝተፈጥረ ዕጹው ፍጻመ እዩ ነይሩ።

ካብ መንጎኦም ምምሕዳር ሮያል ኬንሲንግተንን ቼልስን፡ መጥፋእቲ ሓዊ ለንደንን ከምኡ’ውን ኣብ ምሕዳስ ግሪንፈል ታውር ዝተሳተፋ ከም ኣርኮኒክ፡ ሴሎቴክስን ኪንግስፓንን ዝኣመሰሉ ኩባንያታትን ይርከብዎም። (ኩባንያ ኣርኮኒክ ግን ልኡኽ ኣይሰደደን)።

መሓመድኑር ቱኩን ጓል ሰለስተ ዓመት ጓሉ ኣማያን ህይወቶም ስኢኖም
መግለጺ ስእሊ,መሓመድኑር ቱኩን ጓል ሰለስተ ዓመት ጓሉ ኣማያን ህይወቶም ስኢኖም

ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ኢብራሂም ቱኩ ኣብ ሰሙን ዝኽሪ ግረንፈል ተሳቲፉ ነይሩ።

ንሱ፡ ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ሓዉ መሓመድኑር ቱኩ፡ ሓማቱ ኣማል ኣድመዲንን ጓል ሰለስተ ዓመት ጓል ሓፍቱ ኣማያን ስኢኑ እዩ። እታ ስድራቤት ክትበጽሕ ዝኸደት ዘመዱ ኣምና’ውን በቲ ባርዕ ሞይታ።

ኢብራሂም፡ ቅድሚ ውጽኢት እቲ ገበናዊ መርመራ ዝተተመነ ናይ 150 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ሲቪላዊ ካሕሳ ይነቅፍ።

ኣብ ኤርትራ እትነብር ኣዲኡ ዝዀነ ዓይነት ካሕሳ ከምዘይረኸበት እውን ይዛረብ።

"ሕጂ ከመይ ኣቢልካ ብዛዕባ ካሕሳ ትዛረብ?" ክብል ይሓትት።

"መጀመርታ እቲ ገበናዊ መርመራ ክሳዕ መወዳእታ ክጽንቀቕ ኣለዎ። ብድሕሪኡ ኢኻ ካሕሳ ትሓትት" ይብል።

ወሲኹ’ውን፡ "[እቶም ዝምልከቶም] ክሳብ ክንደይ ገበነኛታት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ኣይንፈልጥን፡ ብዛዕባ ገንዘብ ምሕሳብን ምዝራብን ፍትሒ ኣይኰነን። ነቲ ጉዳይ ብኸምዚ ኣገባብ ምሓዙ ፍትሒ ኣይኰነን" ይብል።

ኢብራሂም ቱኮው ኣብ ደገ ግረንፈል ታወር
መግለጺ ስእሊ,ኢብራሂም ቱኮው ኣብ ደገ ግረንፈል ታወር

ጳውሎስ ተኽለ፡ ኣብቲ ባርዕ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቘልዓ ኢሳቕ ዝተባህለ ውላዱ ስኢኑ። ሽዑ እቲ ቘልዓ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነይሩ። ጳውሎስ ከኣ እቲ ሽዑ ዝተሰመዓኒ ጓሂ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልበይ ኣሎ [ልበይ ኣይሓወየን] ይብል።

"እቲ ሓደጋ ባርዕ ከጋጥም እንከሎ ናይ ብሓቂ ተጨኒቕናን ተሸጊርናን ነይርና። ሕጂ ግን እዛ ጉጅለ ሕብረት ሂባትና፡ ትሕግዘና፡ ሓበሬታ ክንለዋወጥ ንኽእል ኣሎና” ኢሉ።

"ከም ፍወሳ'ዩ" ብምባል እቲ ምትእኽኻብ ንዕኡ ብዙሕ ትርጉም ከምዘለዎ ይገልጽ።

ካብ ወግዓዊ ፍጻመታት ወጻኢ፡ ኣባላት ጉጅለ ኢትዮ-ኤርትራ ግረንፈል ብቐጻሊ ይራኸቡ፡ ሓበሬታ ይለዋወጡን ነንሕድሕዶም ይደጋገፉን ኣለው።

ንከም ልደትን ዒድን ዝኣመሰሉ ብዓላት’ውን እውን ብሓባር የብዕሉዎ።

ኣብቲ ምትእኽኻብ ባህላዊ መግቢታት ይቐርብ፡ ገሊኦም ኣምሓርኛ ገሊኦም ከኣ ትግርኛ ይዛረቡ፡ ገሊኦም ኣስላም ገሊኦም ድማ ክርስትያን እዮም።

ኣብቲ ጉጅለ ከም ተርጓሚ ዘገልግል ዳንኤል በየነ፡ ድሕሪ እቲ ባርዕ ሓዊ ምስ ፖሊስን ሰበስልጣንን ንክረዳድኡ ሓጊዙዎም።

ዳኒኤል ኣብቲ ነዊሕን ዝተሓላለኸን መስርሕ ብምትርጓምን ብዛዕባ ቴክኒካዊ ዝዀነ ህዝባዊ መርመራ ግረንፈል ታወር እውን ተሓጋጊዙዎም እዩ።

ዳንኤል፡ "ቋንቋ [ዘይምፍላጥ] ዝዓበየ ዕንቅፋት'ዩ" ይብል።

"ኣብ ርእሲ ሓዘንካ እቲ ስርዓት ክርድኣካን ከተረድኦን ዘይምኽኣል ከምኡ እውን ከም ድላይካ ሓሳብካ ክትገልጽ ዘይምኽኣል ናይ ብሓቂ ከቢድ እዩ”

ኢትዮያውያንን ኤርትራውያንን ንፍትሒ ባርዕ ግረንፈል ይምጒቱ

'ትጽቢት ፍትሒ'

ኣብዚ እዋን እቶም በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ዝተሃስዩ ጉጅለታት፡ ትሕዝቶ ናይቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብን ለበዋታትን እቲ መርመራ እንታይ ከምዝኸውን የጨንቖም ኣሎ።

በድርያ፡ "ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ኣብቲ መርመራ እኳ እንተተሳተፍኩ፡ ከም ኵሉ ሰብ እቲ ጸብጻብ እንታይ ከምዝሓዘ ክርኢ እጽበ ኣለኹ" ትብል።

"[እቲ ጸብጻብ] ገለ ዓይነት ፍትሒ ክህብ ከኣ ተስፋ እገብር" ክትብል ትውስኽ።

ሳዲቕ፡ እቲ መርመራ ዳግማይ ተመሳሳሊ ፍጻመ ከየጋጥም ክከላኸል ተስፋ ከምዘለዎ ይዛረብ።

"ከምቲ ዝርድኣና፡ ስድራና ስኢንና፡ ፍትሒ ኣይረኸብናን። ክሳዕ ሕጂ ከኣ ፍትሒ ንጽበ ኣለና" ይብል።

እቲ ጸብጻብ፡ ብ04 መስከረም ንህዝቢ ብወግዒ ክግለጽ እዩ።