ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ኣዝዩ ንእሽቶ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘስዕቦ ቍጠባዊ ጽልዋ ብዙሕ ክኸውን ከም ዘይክእል ይግምገም።
ብሓፈሻኡ፡ እቲ ተደንጊጉ ዘሎ ቀረጽ ካብ 10% ክሳብ 50% ዝበጽሕ ኰይኑ፡ ነተን ቀንዲ መሻርኽቲ ንግዲ ዝዀና ከም ቻይና (34%)፡ ሕብረት ኤውሮጳ (20%)፡ ጃፓን (24%) ዝኣመሰላ ሃገራት ልዕል ዝበለ ቀረጽ ተሰሊዑለን ኣሎ።
ብጠቕላላ፡ ንዅለን ሃገራት ድማ ንኤርትራ ሓዊሱ ዝተሓተ 10% ቀረጽ ተነቢሩለን ኣሎ። ካብ 9 ሚያዝያ 2025 ኣትሒዙ ከኣ ከይደንጐየ ተግባራዊ ክኸውን መደብ ተታሒዝሉ ኣሎ።
ኤርትራ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ንግዳዊ ንጥፈታት ድሩት ተሳትፎ እኳ እንተ'ለዋ፡ ኣብ 2024 ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራን ዝነበረ ንግዲ ርኡይ ለውጢ ከም ዝተራእየ የመልክት።
ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራን ብጠቕላላ ናይ 38.3 ሚልዮን ዶላር ልውውጥ ንግዲ ክካየድ እንከሎ፡ ካብዚ 37.5 ሚልዮን ዶላር (ካብ 2023 +13.7%) ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ዝለኣኸቶ እዩ።
ካብ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ ድማ 0.9 ሚልዮን ዶላር (ካብ 2023 +104.9%) ጥራሕ እዩ። ካብ ንግዳዊ ዝምድና እዘን ሃገራት፡ ኣመሪካ 36.6 ሚልዮን ዶላር ትርፊ ከም ዝረኸበት ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣመሪካ ንግድን ወፍርን ንምትብባዕ ምስቲ ኤርትራ ኣባሉ ዝዀነት ኮሜሳ (COMESA) ኣብ 2001 ውዕል እኳ እንተ ፈረመት፡ ብሰንኪ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሕየባታት (ማሕንቖታት)፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ቍጠባዊ ስምምዓት ድሩት ተሳትፎ ክህልዋ ገይሩ እዩ።
ታሪኻዊ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን

ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ብሰንኪ ጅኦፖለቲካዊ ረብሓታት፡ ወተሃደራዊ ምትሕብባራትን ስክፍታታት ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ሰብኣዊ መሰላትን ርኡይ ምቅይያር ኣጋጢሙዎ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ 1942 እያ ኣብ ኣስመራ ቈንስል ከፊታ።
ኣብ 1953 ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገብረ ውዕል ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ፡ ኣመሪካ ነቲ ኣብ እዋኑ ኣብ ወተሃደራዊ መራኸቢታት ኣገዳሲ ዝነበረ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ መዓስከር ቃኘው ክትቈጻጸሮ ፍቓድ ረኺባ።
መዓስከረ ቃኘው ብ1960ታት፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ኣስታት 1700 ወተሃደራት ኣመሪካ ተቐቢሉ ነይሩ። ድሒሩ ግን ቴክኖሎጅያዊ ምዕባለ ንኣድላይነት እቲ መዓስከር ስለ ዘጕደሎ ብ1977 ተዓጽዩ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣመሪካ ብ27 ሚያዝያ 1993 ንናጽነት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ፡ ብ11 ሰነ 1993 ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት መስሪተን።
ኣብቲ ፈለማ ዓመታት ጽቡቕ ዝምድና እኳ እንተ ነበረን፡ በብግዜኡ ግን እናላሕልሐ ክመጽእ ተራእዩ።
ኣመሪካ ንኤርትራ ፖለቲካዊ ተቓውሞታት ከም ዝዓፈነት፡ መራኸቢ ብዙሓን ብሕቲ ከም ዝዓጸወት፡ ሕገ-መንግስቲ ንምትግባር ከም ዝደንጐየት ትነቕፋ።
ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጓናጻፍ ክሳዕ ሕጂ ሃገራዊ ምርጫ ኣየካየደትን።
ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ርእሰ-ምርኰሳ ቀንዲ ዕላማኣ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ 2005 ንዩኤስኤይድ ኣባሪራ ምስ ምዕራባውያን ለገስቲ ትካላት ዝነበራ ርክብ በቲኻ።
ኣብ 2018 ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ለውጢ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላም ምስ ተፈራረማ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን መጠናዊ ምምሕያሽ ገይሩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ 2021 ኤርትራ፡ ብዕድመ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ትግራይ ብምስታፋ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኤርትራን ውልቀሰባትን እገዳ ኣንቢራ።
ኤርትራ ብወገና፡ ብሰንኪ ምትእትታው ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ቍጠባዊ ገስጋሳ ከም ዝተዀልፈን ኣብ ልዕሊኣ ዘይሕጋዊ እገዳታት ከም ዝተነብረን እያ ትገልጽ።