ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ካብን ናብን ኣስመራ ሓድሽ መስመር በረራ ከፊቱ
መንገዲ ኣየር ኢትሓድ፡ መስመራት ኣቭየሽን ኣፍሪቃ ዳግማይ ንምሕዳስን ንምስፋሕን ኣብ ዝሓንጸጾ ስትራተጅያዊ ውጥን፡ ንኣስመራ፡ ካብ 7 ሕዳር 2026 ጀሚሩ ቀጥታዊ በረራታት ከም ዝጅምር ብወግዒ ኣፍሊጡ። እዚ ውሳነ ናይቲ ግዙፍ መንገዲ ኣየር ንኤርትራ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ድሩት ኣህጉራዊ በረራታት ትጻገም ኣብ ዘላትሉ...
Latest releases
ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ'ዩ- ኤርትራ
ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር ኤርትራ እተካይዶ ዘላ "ተጻባኢ ኣጀንዳ" ናይ ወጻኢ ድፍኢት ኣለዎ ክትብል ኣስመራ ከሲሳ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መግለጺ፡ "ናይ ኢትዮጵያ ስርዓት ሰልፊ ብልጽግና ኣንጻር ሃገረ ኤርትራን እቲ ዞባ ብዓቢኡን ሓደገኛን ግጭት ዝቕስቅስን ኣጀንዳ ይኽተል ኣሎ" ክብል ከሲሱ። "እዚ ተጻባኢን [ብወገን ኤርትራ] ዘይተሳወረን ኣጀንዳ" ከም "ናይ ህላወ" ጉዳይ ከምኡ'ውን "በቲ ናይቲ ስርዓት ልሙድ ዝተጋነነ ቋንቋ 'ኣገዳስነት ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ'" ከምዝኾነ ዝግለጽ እዩ" ይብል እቲ...
ቤት ፍርዲ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ኢንግሊዝ ናብ ፈረንሳ ከይስጐግ ኣጊዱ
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፡ ሓደ ኤርትራዊ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ብሓይሊ ናብ ፈረንሳ ምምላስ ንሓደጋ ከቃልዖ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ድሕሪ ምልዓሉ፡ ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ኣጊዱ። ብመሰረት ፈረንሳን ብሪጣንያ ኣብ ጥቅምቲ 2025 ዝተሰማምዓኦ፡ "ሓደ ክኣቱ፡ ሓደ ይወጽእ፡" ዝብል ውጥን፡ ሓደ ኤርትራዊ ናብ ፈረንሳ ከም ዝተሰጐገ ይዝከር። እቲ 'ዮናስ' ብዝብል ክጥቀስ ዝሓተተ መንእሰይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ዝተናውሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሰንኪ እምነቱ ኣደራዕ...
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ስሉሳዊ ርክብ ምስ መራሕቲ ሶማልያን ጂቡቲን ናብ ኢማራት ዓረብ ኣትዩ
ምስ መራሕቲ ሶማልያን ጂቡቲን ዝተራኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣትዩ'ሎ። ኣቢይ ኣሕመድ፡ ወሽመጥ ዓረብ ብሰንኪ እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣትዩ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ናብቲ ዞባ ገይሹ ዘሎ። ኢማራት ዓረብ'ውን ሓንቲ ካብተን ግዳይ ዳርባ ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ኮይነን ዘለዋ ሃገራት ናይቲ ወሽመጥ እያ።
ኤርትራ፡ ፍሉጥ ካርቱኒስታ ብንያም 'ኮብራ' ድሕሪ 15 ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ
ኣብ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብቲ ጋዜጣታት ብሕቲ ዓንቢበናሉ ዝነበራ 1997-2001 መድረኽ፡ ፍሉጥ ካርቱኒስታን ቀያዕን ዝነበረ መምህር ቢንያም ሰሎሞን ድሕሪ 15 ዓመታት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐ፡ ቤተሰቡን ፈለጥቱን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። እቲ 'ኮብራ' ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ስነጥበበኛ፡ 'እዋናዊ' ዛዕባታት ፖለቲካን ማሕበራዊ ህይወትን ዝትንክፉ፡ ነቐፍትን ኣዘናጋዕትን ኣዝዮም ብዙሓት ካርቱናት ኣፍርዩ። ነቶም ስራሕቱ ከኣ ኣብ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ደሓር ድማ ኣብ መጽሓፍቲ ጠርኒፉ ከም ዘሕተመ...

























