ኩለን ሃገራት ንልኡላውነት ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ወኪል ኣመሪካ ተማሕጺና
ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ተማሕጺና። ክሪስቲን ኢ መየር ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ'ያ ነቲ መግለጺ ሂባ። ሃገራ ንልኡላውነት ኤርትራ ከምእተኽብሮ'ውን እታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኣስመራ ዝተመደበት...
Latest releases
ካብ ጆን ፎስተር ዳላስ ክሳዕ ማሳድ ቡሎስ፡ ዝተሓላለኸ ምዕራፋት ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ንዓሰርተታት ዓመታት ብጥርጣረን ዞባዊ ምስሕሓብን ተጸልዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ናብ ሓድሽ ስትራተጅያዊ ምዕራፍ ይሳገር ከም ዘሎ ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ። ማዕከን ሓበሬታ ዎል-ስትሪት-ጆርናል ከም ዝጸብጸቦ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ንዝጸንሐ እገዳ ብምልዓል፡ ነቲ ዝሕቱል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዳግም ንምብርባር ይንቀሳቐስ ኣሎ።
ዝምድና ዋሽንግተን-ኣስመራ፡ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ እንታይ ይብል?
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዛዕባ ተበግሶታት ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ኣመልኪቱ ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት ምላሽ ሂቡሉ። ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ብኸፊል ከተልዕልን ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ከተመሓይሽ ዓቢ ዜና ኰይኑ ቀንዩ እዩ። ...
ኤርትራ፡ እታ ብኣሃዛት ዘይትግለጽ ዘላ 'ምስጢራዊት' ሃገር
ኤርትራ፡ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣብ ዘሕትሞ "ናይ ዞባ ቍጠባዊ ትንበያ"፡ ኣብ ናይ ምያዝያ 2026 ጸብጻቡ፡ ሕጂ'ውን ብወግዓዊ ቍጽርታትን ስታቲስቲካዊ መረዳእታታትን ዘይትግለጽ 'ምስጢራዊት' ሃገር ኰይና ትቕጽል ከም ዘላ ይገልጽ። እቲ "ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዝተመዝገቡ ዓወታት" ብዝል ኣርእስቲ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ንቝጠባዊ ምንቅስቓስ ሃገራት ትሕቲ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ንጹር ስእሊ ንምሃብ ዝዓለመ እኳ እንተዀነ፡ ንኤርትራ ዝምልከቱ ሰሌዳታት ግን መብዛሕትኦም ባዶ ብምዃኖም፡ ነቲ ኣህጉራዊ ትንተና ዓቢ ብድሆ ኰይኑዎ ከም...
ኣስመራ፡ ባርዕ ሓዊ ኣብ ሰብ ጉድኣት ኣውሪዱ
ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ሓደ ወዲ 36 ከምኡ'ውን ጓል 21 ዓመት ኣብቲ ብሰንበት 26 ሚያዝያ ዘጋጠመ ባርዕ ሞይቶም ኣለዉ። ካብቲ ባርዕ ዝደሓኑ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ብዝወረዶም ጉድኣት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዘለዉ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ጠንቂ ናይቲ ኣብ "ምምሕዳር ከባቢ ሓሊበት" ዘጋጠመ ባርዕ...


























