ንህዝቢ ዘፍቀረን ብህዝቢ ዝተፈቕረን ድምጻዊ
"ተመስገን ገብረስላሰ መን እዩ?" ኢልካ ንሓደ ሰብ እንተ ሓቲትካዮ፡ ቀልጢፉ ምላሽ ከይህበካ ይኽእል እዩ። መጸውዒ ስሙ ቀይርካ "ተመስገን ጣኒቆኸ?" ምስ እትብሎ ግን፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያንን ክንዮኡን ብዛዕባኡ ዘይነጽፍ ዛንታ ድፍንቕ ሕሉፍ እዋን ንእስነት፡ ጦብላሕታ ናፍቖትን ክትሰምዕ ግድን እዩ። ኣብ ፈለማ 2000ታት፡ ንብዙሓት...
Latest releases
ትራምፕን ንጉስ ቻርለስን ናብ ኤርትራ ዝሰደድዎ መልእኽቲ እንታይ ይብል?
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ገጹ "ናብ ኤርትራን ቀይሕባሕሪን መሊሱ" ዝበሃለሉ ዘሎ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብምኽንያት መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ንህዝብን መንግስትን እታ ሃገር ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ሰዲዱ ክብል ሻባይት ኣፍሊጡ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ መልእኽቱ፡ "ንሓያል መንፈስ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን እቲ ህዝቢ ንሃገራዊ ልዑላውነቱ ዘለዎ ተወፋይነት ከም ዘኽብርን ከም ዘድንቕን" ገሊጹ - ይብል እቲ ኣብ ሻባይት - መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ...
ኤርትራ ኣብ መበል 35 ዓመት ናጽነት፡ ታሪኽ ምስሳን ህዝብን ፈተና ስደትን
ኤርትራ ንመበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነታ (24 ግንቦት) ንምብዓል ኣብ ምድላው ትርከብ። መንግስቲ ኤርትራ፡ እታ ሃገር ንተኸታተልቲ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝተጻዕነላ ተጻብኦ ናይ ግዳም ሓይልታትን እገዳታትን ብምምካት፡ ኣብ መትከል "ርእሰ-ምርኰሳ" ዝተመሰረተ ቍጠባውን ማሕበራውን ልምዓት ንምርግጋጽ ትሰርሕ ከም ዘላ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ። እዚ መግለጺታት ምስቲ ዓለምለኻውያን ትካላት ከም ባንኪ ዓለም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ከምኡ'ውን ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዘውጽኡዎ ታሪኻውን...
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ 'ኣፍደገ ባሕሪ ንናይ ምርካብ ጻዕረይ ትዕንቅፋ ኣላ' ክትብል ከሲሳ
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ምስ ኤርትራ ስምምዕ መጓዓዝያ ባሕሪ ድሕሪ ምኽታማ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ሰላም ንምትዕንቓፍን ንምዝራግን ትንቀሳቐስ ኣላ ክትብል ከሲሳ። ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ብሓሙስ 21 ግንቦት 2026 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ካብ ካይሮ ዝመጽአ "ዘይሃናጺ ውዲት" ነቲ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ንምዕንቃፍን ኣቓልቦ ንምስራቕን ዝዓለመ ምዃኑ...
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ልዕሊ ዝበጽሓ ዕጫ ትስጕምዶ ትኸውን?
ድሕሪ 18 ዓመታት ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝኣተወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ዝወደቐ ዕጫ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027፡ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጊኒን ኬንያን በጺሕዋ። ካብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ቀዳመይትን ካልኣይትን ዝወጽኣ'የን ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሓልፋ፤ እንተዀነ ኣብዚ ኤርትራ በጺሕዋ ዘሎ ምድብ እትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ፡ ምስ ታንዛንያን ዩጋንዳን ብምዃን ነዚ ውድድር ካብ ዘአንግዳ ሃገራት ብምዃና እተመዝግቦ ውጽኢት ብዘየገድስ ብቀጥታ'ያ ክትሓልፍ። ካብተን...

























