ኡጋንዳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዝቲ ምውሳናን ዝተሓላለኸ ኵነታት ስደተኛታትን
ኣብ ኡጋንዳ ምኒስተር ድልውነት ሓደጋን ስደተኛታትን ሳም ኤንጎላ፡ ቍጽሪ ዕቝባ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምንታይ ይውስኽ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዝቲ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ኡጋንዳ ንምሉእ ዓመት ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ምቕባል ስደተኛታት ዳግማይ ድሕሪ ምጅማራ፡ እቲ ቍጽሪ...
Latest releases
ደቡብ ሱዳን ናይ መገሻ ሰነዳት ዘይብሎም 17 ኤርትራውያን ኣሲራ
ሰብመዚ ኢምግረይሽን ደቡብ ሱዳን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት 17 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ማዕከናት ዜና እ ታ ሃገር ንሰበስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺባ።እዚ ኣካል ናይቲ ነታ ሃገር ከም መተሓላለፊ መንገዲ ዝጥቀምሉ መርበባት ዘይሕጋዊ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብን ዝገብሩዎ ኢሕጋዊ ተግባር ከም ዝዀነ ድማ ገሊጾም። ዋና ዳይረክተር ስቪል መዝገብ፡ ዜግነት፡ ፓስፖርትን ኢምግረይሽንን እታ ሃገር ሜጀር ጀነራል ኤልያ ኮስታ ፋውስቲኖ፡ እቶም ውልቀሰባት ብዘይ ቅኑዕ ናይ መገሻ...
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንወዲ 15 ዓመት ኣሜን ብኻራ ዝቐተሉ ኮተቴታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እዮም
ብሞት ናይቲ ብ5 መጋቢት ኣብ ጐደና ክላረንዶን 'ሰንት ጆርጅስ ክሮስ' ብኻራ ተወጊኡ ተቐቲሉ ዝተረኽበ ኣሜን ተኽላይ ዝተኸሰሱ ደቂ 15ን 16 ኮተቴታት ናብ ቤትፍርዲ ክቐርቡ እዮም። እዞም ብሰንኪ ዕድመኦም ስሞም ክጥቀስ ዘይክእልን ማስክ ዝወደዩን ኮተቴታት፡ ንኣሜን ብኻራን ናይ ክሽነ ባዴላን ገይሮም ሃሪሞም ከም ዝቐተሉዎ እዩ ዝግለጽ። ንሶም ግን ነቲ ክትለት ከም ዘይወዓሉዎ ይኽሕዱ። እቲ ፍጻመ ብኸመይ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ግላስኮ - ስኮትላንድ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ፍርዲ ድማ...
ኤርትራዊ ደራሲ ዓብዱ ሰላም መሓመድ ጻዕዳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዓሪፉ
10 ጥቅምቲ 2025 – AAN Media Network -ኤርትራዊ ደራሲ ዓብዱ ሰላምመሓመድ ጻዕዳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራሒሙ።ፈላሚ ናይ crime & investigative fiction ብትግርኛ ዝኾነት “ዝሑል ኲናት” እትብል መጽሓፉ ፡ ቅልውላው ዶብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅድሚ ነዊሕ ኣቐዲማ ኣሚታ ነይራ።ድምጹ ንዘልኣለም ክቃላሕ እዩ። ረቢ...
ኤርትራን ህወሓትን "ኲናት ንምእዋጅ" ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ንዝብል ክሲ ነጺጎም
ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን "ኲናት ንምእዋጅ" ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ዝብል ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ነጺጎም። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኣንጻር ኢትዮጵያ "ኣብ ውግእ ተዋፊሮም" ኣለዉ ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ምኽሳሱ ይዝከር። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ብ2 ጥቕምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኣኽራሪ ውድብ ህወሓትን ዘሎ ምሕዝነት...


























