ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ንልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝህብ ትካል ኤርትራውያን
መሃንድስ ግርማይ ዘርኣይ፡ 'ረፕዩተይሽን ፖል ኢንተርናሽናል( RPI) ብዝተባህለ፡ ብደረጃ ዓለም ዝና ንዘጥረዩ ዋና ኣካየድቲ ባንክታት፣ ከምኡ'ውን፡ ንኢንዱስትሪታቶም ናብ ክብ ዝበለ ጽፍሒ ዘዕበዩ፡ ጽልዋ ዘሕደሩን ጸለውትን ሰባት ደረጃን ኣፍልጦን ብዝህብ ትካል፡ ኣብ መንጎ '100 ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን 2025' ተረቚሑ። ግርማይ፡ መስራትን ዋና ኣካያድን ናይቲ ኣብ መዳይ ተተካኢ ጸዓት፡ ብሕልፊ እኳ ደኣ ኣብ ጸሓያዊ ጸዓትን ምጭንጓዕ ማይን...
Latest releases
ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ብፖሊስ ይድለዩ ኣለዉ
ፖሊስ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ኣሳእል ናይቶም ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ደንሃኽ [ሄግ] ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ‘ኤርትራውያን ጕጅለታት’ ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ፡ ኣብ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ክግበር ጸዊዑ።
ቢንያም ግርማይ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተኣልዩ
ትማሊ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሳልሳይ ዝወጽአ ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ክልተ ግዜ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ከምዘሎ ጋንትኡ ኣፍሊጣ።
ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብእግሪን ብዝተፈላልየ ኣገባባትን ዝግበሩ ሓደገኛ ጕዕዞታት ስግረዶብ ኤርትራውያን ተራእዮም እዮም።
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
ዋሽንግተን/ኣስመራ —ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።