ኬንያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣብ ከቢድ ፍርሒ
ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንኣሽቱ ድኳናትን ሸቐጥ ጐደናን ትወስዶ ብዘላ ስጕምቲ፡ ከም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ከም ዘለዉ ተፊሊጡ። መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣሽቱ ድኳናት ዘካይዱን ኣብ ጐደናታት ዝሽቅጡን ወጻእተኛታት ዜጋታት ተሪር...
Latest releases
ኤርትራ፡ ‘ምዝዛም ቀዳማይ ገጽ ምምሕያሽ ጸዓት' እንታይ ዘጠቓለለ'ዩ?
ኣብ ኤርትራ፡ ነቲ ኣመና ተዳኺሙ ዝጸንሐ ቀረብ ጸዓት ንምምሕያሽ ብመንግስቲ ኣብ 2021 ዝተጀመረ ምዃኑ ዝተገልጸ ፕሮጀክት፡ ቀዳማይ ገጹ ከምዝተዛዘመን ስራሕ ከም ዝጀመረን፡ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣቃሊሑ'ሎ።
ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣኺልዎ ድዩ ፈሪሱ? ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ንምፍጣር’ከ ተስፋ ኣሎዶ?
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ንመወዳእታ ግዜኡ ካብ ዝእከብ፡ ዝሓለፈ 28 መስከረም ሽዱሽተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣበይ ኣተወ? ስለምንታይ’ዩ “ደስኪሉ”? ኣባላቱ ዝዀኑ ሚኒስተራትን ዝመርሕወን ሚኒስትሪታትን’ከ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣለው? ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም ኣለዉ። ዕድመ ናይ ዝበዝሑ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሚኒስተራትን ጉዳይ...
ደምዳሚ መግለጺ ስሩዕ ኣኼባ ግዝያዊ መሪሕነት ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ንፍትሒ
ግዝያዊ መሪሕነት ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ንፍትሒ ካብ 17 ክሳብ 23 መስከረም 2024 “ብሓድነትና፡ ናብ ዓወትና’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሱሩዕ ኣኬባኡ ኣካይዱ።
ኤርትራ፡ ሶማልን ግብጽን ጽኑዕ ምሕዝነት ኣለና ይብላ
ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ሶማል ዝጀመረቶ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ተወሳኺ ኣጽዋር ከምዘእተወት ተሓቢሩ። እቲ ጸረ–ነፈርቲ፣ ድሩዓት መካይንን ከበድቲ ብረታትን ዘጠቓለለ ኣጽዋር ብዝሑ እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ካብቲ ዝሓለፈ ቅነ ናብ ሶማል ዝኣተወ ዝዛያደ ምዃኑ ‘ዩ ተጠቒሱ።


























