ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ጸዊዓ
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክወጽእን ንልዝብ ድሉው ክኸውንን ጸዊዑ።ብመንገዲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ጊዴዮን ጢሞትዮስ [ዶ/ር] ንመዘናኡ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብቀዳም 07 ለካቲት ዝተጻሕፈ ምዃኑ ዝተመልከተ ደብዳበ፡ ኤርትራ ልኡላዊ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቕ ጥሒሳ ተቘጻጺራ ከምዘላ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ልኡላውነቱን ዶባቱን ካብ ምግሃስ ክቝጠብ ኢትዮጵያ...
Latest releases
ኤርትራውያን ተቐማጦ እስራኤል ከመይ ኣለዉ?
ኣብ መንጎ እስራኤል ኢራንን ዝተወልዐ ግጭት ንሻድሻይ መዓልቱ ቀጺሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ መላእ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስግኣትን ሰንፈላልን ከም ዘለዉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ናይታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ካብ ኢራን ዝትኰስ ዘሎ ሚሳይላት መብዛሕትኡ ኣብ ሰማይ እንከሎ ይብርዕን እኳ እንተሃለወ፡ ሓደሓደ ግን ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዓሊቡ ጕድኣት የስዕብ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ከም ሮኾቦት፡ በተኽቲክባን ካልኦት ኤርትራውያን ዝቕመጥሎም ቦታታትን ብዝዓለበ ሚሳይል፡ ቀሊል መቝሰልቲ ዘጓነፎምን...
ኤርትራ ዝሰወረቶም እሱራት ፖለቲካ ክትፈትሕ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ጸዊዖም
ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን ፖለቲካዊን ሲቪካውን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ወገናት ጸዊዖም። ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ትማሊ ሰኑይ 16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩነታት ኤርትራ ከምዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ። መሓመድ ዓብዲሰላም ባቢከር ንቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ምስዋር ተቓውሞኦም ዝገልጹ ሰባት፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ይቕጽል ከምዘሎ ይጠቅስ። እቲ...
ኤርትራ ዝሰወረቶም እሱራት ፖለቲካ ክትፈትሕ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ጸዊዖም
ኤርትራ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን ፖለቲካዊን ሲቪካውን መሰላት ዜጋታታ ከተኽበርን ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ወገናት ጸዊዖም። ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ትማሊ ሰኑይ 16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩነታት ኤርትራ ከምዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ።መሓመድ ዓብዲሰላም ባቢከር ንቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ምስዋር ተቓውሞኦም ዝገልጹ ሰባት፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ይቕጽል ከምዘሎ ይጠቅስ። እቲ...
ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራን ኣፍደገ ባሕርን እንታይ'ዩ ኢሉ?
ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ። ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኤርትራ ንሃገሩ ኣፍደገ ባሕራ ክትከፍተላ ድልውቲ ከም ዘይኰነት'ውን ኣሚቱ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ከም ዘስግኣን ዝገለጸ እቲ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኵነታት ንምግጣም ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ከም ዝወሰነት ጠቒሱ። "ኣብዚ ዞባ ሃወኽቲ ስርዓታት'ውን...

























