ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ንልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝህብ ትካል ኤርትራውያን
መሃንድስ ግርማይ ዘርኣይ፡ 'ረፕዩተይሽን ፖል ኢንተርናሽናል( RPI) ብዝተባህለ፡ ብደረጃ ዓለም ዝና ንዘጥረዩ ዋና ኣካየድቲ ባንክታት፣ ከምኡ'ውን፡ ንኢንዱስትሪታቶም ናብ ክብ ዝበለ ጽፍሒ ዘዕበዩ፡ ጽልዋ ዘሕደሩን ጸለውትን ሰባት ደረጃን ኣፍልጦን ብዝህብ ትካል፡ ኣብ መንጎ '100 ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን 2025' ተረቚሑ። ግርማይ፡ መስራትን ዋና ኣካያድን ናይቲ ኣብ መዳይ ተተካኢ ጸዓት፡ ብሕልፊ እኳ ደኣ ኣብ ጸሓያዊ ጸዓትን ምጭንጓዕ ማይን...
Latest releases
ፖሊስ ለንደን፡ ‘ብገበን ዕግርግር ዝተጠርጠሩ’ ኤርትራውያን ይሃድን ኣሎ
ብ30 ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካምበርወል ደቡብ ለንደን ኣብ ዝተፈጥረ ባእስን ዕግርግርን ብገበን ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ይድለዩ ከምዘለዉ ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቲ ትማሊ ዝተዘርግሐ፡ ነዞም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ህዝቢ ዝጽውዕ መግለጺ ፖሊስ፡ ኣብቲ ዕግርግር፡ ልዕሊ 100 ሰባት - ገሊኦም መሳርያታት ኣባትርን ካልእን ዓጢቘም ነቲ ኣዳራሽ - ላይትሃውዝ ከምዘጥቅዑ...
ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ኢጣልያ ብኸመይ ነጻ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ይኽእሉ?
ብዙሓት መንእሰያት ተምሃሮ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሒዞምዎ ዝዓብዩ፡ ብትምህርትን ሞያን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምብጻሕ ድሌትን ሃረርታን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክዅለፍ ይርአ እዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዳግመ ምውዳበ የካይዱ ምህላዎም ተሓቢሩ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ዳግመ ውዳበ የካይዱ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብ ዙር ኣልጀርያ ትሳተፍ ኣላ
ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ካብ 12 ክሳብ 21 ግንቦት፣ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ትሳተፍ ኣላ።