'ጉዳይ ወደብ ዓሰብ መሳርሒ ድርድር ክኸውን የብሉን` - ሰነተራት ኣመሪካ ንማርኮ ሩብዮ
ሓሙሽተ ደሞክራስያውያን ሰነተራት ኣመሪካ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢትዮጵያ ንወደብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝዀነ ዓሰብ ብሓይሊ ንምቍጽጻር እትገብሮ ዝዀነ ይዅን ፈተነ ብኣመሪካ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብንጹር ከፍልጥ ጸዊዖም። እቶም ሰነተራት ሰሉስ ናብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ፡ ኣብ መንጎ...
Latest releases
ዘካርያስ ገብረመድህን፡ "ሓዲሽ ምዕራፍ ኣብ ሰሜን"
ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ካብ'ቲ ወጣጥን ደፋእን ናብራ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ወጻኢ ዝተዓቝቡ ብዙሓት'ዮም። እወ፡ ስደት መናብርቲ ኤርትራውያን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ጊዜ ሓሊፉ ኣሎ፣ ካብ ግዜ ሃይለስላሰ ጀሚሩ፡ ብግዝያት ደርግን ሰውራን ቀጺሉ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ተርእዮ'ዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብዝሒ ስደተኛታት ክንኪ ትጽቢት እናተገብረሉ ብምውሳኹ፡ ንብዙሓት ዘዛርብ ዛዕባ ኰይኑ'ዩ ተሪፉ። ተራ ዜጋታት ጥራይ ዘይኰኑ፡ ተጋደልቲ-ነበር ከይተረፉ ዝስደድሉ ዘመን ኣርኪቡ። ...
ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዘቤታዊ ሃንቀውታ ብሓቂ መሊሱዎዶ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ክፋል፡ "ብቐንዱ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዝተኰረ" ዝተባህለ ቃለመሕትቱ፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ትንተናኡ ብጉዳይ ሱዳን እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ዲፕሎማሲ ምስ ኣብ ዞባኣ ዘለዋ ሃገራትን ሃገራት ኤውሮጳን ዘለዋ ዝምድና ኣቢሉ'ውን ዝበዝሕ ንወጻኢ ጉዳያት ዘልዓለሉ ካልኣይ ክፋል...
'ክንገብር ክንክእል ኣለና' ዝበዝሖ ዘቤታዊ ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ክፋል፡ "ብቐንዱ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዝተኰረ" ዝተባህለ ቃለመሕትቱ፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ትንተናኡ ብጉዳይ ሱዳን እዩ ጀሚሩ።ኣብቲ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ዲፕሎማሲ ምስ ኣብ ዞባኣ ዘለዋ ሃገራትን ሃገራት ኤውሮጳን ዘለዋ ዝምድና ኣቢሉ'ውን ዝበዝሕ ንወጻኢ ጉዳያት ዘልዓለሉ ካልኣይ ክፋል ቃለመሕትት፡ ምስ "መደባት ልምዓት" ኣተሓሒዙ፡ ጉዳይ ህንጸት ኣባይቲ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ትምህርቲ፡ መጓዓዝያን ጽርግያታትን ሃብቲ ዓሳን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ተናኺፉ።
ኤርትራውያን ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠልብዎ ዘለዉ ነገራት እንታይ'ዩ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሃንደበታዊ ክብሃል ዝክኣል ቃለመሕትት ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣካይዱ። ኣብቲ ንኽልተ ሰዓት ዝቐጸለ መደብ፡ ኢሳይያስ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ኵነታት፣ ነቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተፈተነ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን፣ ኣብዚ ሓድሽ ምልሶት ትራምፕ ዝብገስ ዘሎ ሓድሽ "ጽምዶ" ምስ ዋሽንግተን፣ ጸገማት ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዝዛመዱ ዛዕባታትን ኣልዒሉ። እዚ ኰይኑ ግን፡ "ዘቤታዊ ጉዳያት" ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ቃለመሕትት...
























