ኩለን ሃገራት ንልኡላውነት ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ወኪል ኣመሪካ ተማሕጺና
ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ተማሕጺና። ክሪስቲን ኢ መየር ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ'ያ ነቲ መግለጺ ሂባ። ሃገራ ንልኡላውነት ኤርትራ ከምእተኽብሮ'ውን እታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኣስመራ ዝተመደበት...
Latest releases
ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ማስዓድ ቡሎስ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ካይሮ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ዘካየዶ ርክብ "ጸረ-ኢትዮጵያ" ዝዀነ ትሕዝቶ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ። እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተገብረ ዝርርብ "ዘይግባእ ትርጕምን መልክዕን ተዋሂቡዎ" ከም ዝተቓልሐ ገሊጹ። ...
ኤርትራ - ኢትዮጵያ፡ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ፍሉይ ቈላሕታ ከም ዝደሊ ተገሊጹ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፡ ጽልዋታት ኲናት ዩክረይን ኢራንን ዝተሓላለኸ ውሽጣዊ ቍጠባዊ ጸገማትን፡ ጥሜት ኣብቲ ዞባ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ሓድሽ ጸብጻብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 90 ሚልዮን ሰባት ንጥዕና ዝበቅዕ መኣዲ ንምቕራብ ዓቕሚ ክስእኑ ከለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ዝመጽእ ሕዱር ጸገማት ጥዕና ህጻናት ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ከም ዝርከብ የገንዝብ። ...
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ባንክ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰነ 2026፡ ካብ ባንክታት ወጻኢ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዘይ ዓቐን ተታሒዙ ዘሎ ባጤራ ናቕፋ፡ ክሳዕ መወዳእታ ሓምለ ናብ ሕሳብ ባንክ ክኣቱ ዘገድድ ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር እዩ።እቲ ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ብዙሕ ሰብ፡ ብሰንኪ ዝተጓተተን ዘይምዕቡልን ኣሰራርሓ ባንክታት ገና ገንዘቡ ኣታዊ ክገብር ከምዘይከኣለ እዩ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘመልክት። ...
ዳኛ ካልጋሪ፡ ምስ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ 4 ኤርትራውያን ውሳነ ኣመሓላሊፉ
ዳኛ ካልጋሪ፡ ኣብቲ ፖሊስ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማና ዘጋጠመ ዝዓበየ ናዕቢ" ኢሉ ዝገለፆ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ናይ ጥፍኣተኛነት ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ። ብ2 መስከረም 2023፡ ብሰንኪ ኣብ ዓዶም ዘሎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኩነታት፡ ተጻራሪ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮም ዝተገልፁ ክልተ ጉጅለ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ 'ፋልኮንሪጅ ፕላዛ' ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ናብ ሕድሕዳዊ ጐንፂ ምእታዎም ይዝከር። ...


























