ኤርትራ፡ 'ግዓት' ኣብ ዝርዝር ባህላዊ ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ ትዳሎ
ኤርትራ፡ ነቲ ብወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርስታታ ንምዕቃብን ኣብ ዓለምለኻዊ መዝገብ ንምስፋርን ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕማ ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ መርበብ ሓበሬታ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ምድላው "ግዓት"...
Latest releases
ብገበን ቅትለት ኣሜን ተኽላይ ክልተ ኰተቴታት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም
ኣብ ግላስጎው ኣሜን ዝስሙ ወዲ 15 ዓመት ብምቕታሎም ተኸሲሶም ዝነበሩ ክልተ ኰተቴታት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቶም ሕጂ ዕድመኦም 16ን 17ን ኰይኑ ዘሎ ክልተ ኣወዳት፡ ብ5 መጋቢት 2025 ኣብቲ ከተማ ኣብ ዝርከብ ከባቢ 'ሰይንት ጆርጅ ክሮስ' ንኣሜን ተኸላይ ከም ዘጥቅዑዎ ይሕበር። ዓቀብቲ ሕጊ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ግላስጎው፡...
ሰንደቕ ምስልምና ኤርትራ ዓቢ መስጊድ ኣስመራ
ከተማታት ዓለምና ብታሪኻዊ ቅርሳታተን፡ ብናይ እምነት ህንጻታተን፡ ብኣብያተ መዘክራተን፡ ጽሬተንን ኣገልግሎተን እየን ዝዝከራ። ከተማ ሮማ እንተይልካ እቲ ግርማ ዘለዎ ገላዩ ምስ ሰባትን ኣናብስን ዝጋጠምሉ ዝነበሩ ኮሎስዮምን ብስእልታት ማይክል ኣንጆሎ ዝወቀቦ ቫቲካንን ማእለያ ዘይብሉ ካቴድራለታትን እዩ ዝቕጀለካ። ፓሪስ እንተይልካ እቲ ኣደናቕን ውቁብን "ኖትርዳም" ካቴድራል፤ ኣይፍል ታወር፡ቤተ-መዘክር ሉቭር ትዝክር። ...
ኣብ ኤርትራ 'ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት' ከም ዝቐጸለ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ፡ መንግስቲ ግን ይነጽጐ
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ዛጊት ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየን ብኣንጻሩ እቲ ኵነታት እናብኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ ገሊጹ። እቲ ጸብጻብ ኣብታ ሃገር ዘሎ "ስልታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ይቕጽል ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ። ብኣንጻሩ፡ ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፡ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብምሉእ ድምጺ...
ኣሌክሳንደር፡ እቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብቕዓቱ ዘንጸባርቕ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኮኾብ
እቲ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪን ኣሰልጠንትን ክለባትን ደሚቝ ዝርአ ኣብ ዓበይቲ መድረኻትን ዓወታትን ባንዴራ መበቈል ሃገሩ ኤርትራ እናንበልበለ ዝልለ፡ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኣጥቃዓይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣብቲ ሃገራዊት ጋንታኡ ሽወደን ንቱኒዝያ 5 ብ 1 ብዝዀነ ዓብላሊ ውጽኢት ኣብ ዝሰዓረትሉ ናይ ዋንጫ ዓለም ግጥም፡ ሓንቲ ድምቕቲ ሸቶ ባዕሉ ብምምዝጋብ ንኽልተ ድማ ብምሕጋዝ፡ ዘይትርሳዕ ምሸት ኣሕሊፉ ኣሎ።
























