ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ምላሽ ኣስመራ ነቲ ኣቢይ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ዝሃቦ ሓድሽ መግለጺታት
ኤርትራ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፓርላማ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ዝሃቦ መግለጺታት "ሕሱርን ፍንፉንን" ክትብል ኮኒና። እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ ሎሚ ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ቅትለት ዝርከቦ ግፍዕታትን ዝምታን ከምዝፈጸመ ከሲሱ'ሎ።በቲ መግለጺ ዝተቖጥዐት ኣስመራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋንን ድሕሪን ኲናት ትግራይ ንሰራዊት ኤርትራ ዝሃቦ ምስጋናን ሜዳልያታት ሃገርን ኣዘኻኺራ። "ቀይሕ ባሕርን...
ፋይላት ኤፒስተይን፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ይብሉ?
እቶም ብ"ፋይላት ኤፒስተይን" ዝፍለጡ ብዙሕ ምስጢራት ዝሓዙ ምዃኖም ዝእመነሎም ሰነዳት ዝሓለፈ ዓርቢ ብትእዛዝ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ገለ ክፋሎም ድሕሪ ምዝርግሖም፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ርሱን ክትዓት ፈጢሮም ኣለዉ። እቶም ሓደስቲ ዝተዘርግሑ መዛግብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኢትዮጵያንን እውን ሰፊሕ ዘተ ብምፍጣር፡ እቶም ፋይላት ብጭቡጥ እንታይ ከም ዘቃልዑ ሕቶታት ኣልዒሎም ይርከቡ። እቲ መወዳእታኡ ብጾታዊ ገበናትን ምስግጋር ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ንጾታዊ ስርሓትን ብዝብሉ ገበናት ተኸሲሱ ብ6 ሓምለ 2019 ኣብ...
ጀርመን፡ ዝኽሪ ክልተ ግዳያት ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝዀኑ ኤርትራውያን
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ክልተ ቅትለታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንብዙሓት ዘሰንበደ ዘሕዝን ፍጻመ ኰይኑ ይርከብ። እታ ሓንቲ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለት ኣደ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ወዲ 14 ኮተቴ ህይወቱ ሓሊፉ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ክልተ ዝተፈላለየ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት እቶም ግዳያት ተኻይዶም ነይሮም።ምስጢራት ናይቲ ገበናት ዛጊት'ኳ ብንጹር እንተዘይተረጋገጸ፡ መርመርቲ ብዛዕባ'ቲ ቅትለታት ዝበጽሕዎ ደረጃ ክገልጹ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብሩ ኣለዉ።
'ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር' - ሓጺር ገምጋም መጽሓፍ
ኣብ ጥሪ 2026 ናብ ኣንበብቲ ዝተዘርግሐት "ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር" እትብል መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣብ ኤርትራ ንዝመጽእ ለውጢ ኣብ ደሞክራሲያዊ ስግግር ከም መወከሲት ሰነድ ክትውሰድ እትኽእል ስራሕ'ያ። ሰመረ ሰሎሞን ኣብ 2024'ውን "ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነትን ዝተጠልመ መብጽዓን" እትብል መጽሓፍ (ብእንግሊዘኛን ትግርኛን) ናብ ኣንበብቲ ዘርጊሑ ምስ ምንባሩ፡ እዚኣ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ኣተኵሮን ግን ከኣ ካብታ ዝቐደመት ብዛዕባን ቀንዲ ቴማታትን ዝተሳገረት መጽሓፍ'ያ።

























