ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ኣመሪካዊ ጀነራል ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዑደትን ርክባትን ተዛሪቡ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ዘካየደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምብጻሕን ዝገበሮ ርክባትን ተዛሪቡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ እዚ ኣፍሪቃ (ኣፍሪካ ኮማንድ/ኣፍሪኮም) ኣዛዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብታ ሃገር በጺሑ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ "ኣገዳሲት" ምዃና ገሊጹ። "ቀንዲ ምኽንያት መምጽእየይ፡ ናይ ሓባር ስግኣታት ስለዘለዉና እዩ። ነዚ ዞባ ሓድሽ ኣይኮንኩን፡ እቶም ጉዳያት እንታይ ምዃኖም እርዳእ እየ። "ስለዚ ነዞም ስግኣታት እዚኦም...
ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓተትቲ ዕቝባ ዝእግድ መምርሒ ኬንያ ደው ኢሉ፡ ኡጓንዳኸ?
ላዕላዋይ ቤትፍርዲ ኬንያ፡ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ኣገልግሎት ምዝገባ ደው ንዘብል መምርሒ ካብ ምትግባር ዓጊቱዎ። ዳኛ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጃስቲስ ቻቻ ምዊታ፡ ብሓሙሽተ ኣካላት ሰብኣዊ መሰላትን ተጣበቕቲ ስደተኛታትን ዝቕረበ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር መሰረት ዝገበረ ጥርዓን ክሳዕ ዝስማዕን ዝውሰንን፡ ነቲ ብ31 ሓምለ 2025 ብኮምሽነር ጉዳያት ስደተኛታት ዝወጽአ መምርሒ ከይትግበር ዝኽልክል ትእዛዝ ከም ዘውጽአ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን። ዳኛ፡ እቲ ንምዝገባ ኤርትራውያንን...
ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ-ርብዒ ናይ 19 ክፍለ-ዘመን
ድሕሪ ኲናት 1870፡ ዓበይቲ ሓይልታት ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ክማቐላ ምስ ነቐላ፡ ኢጣልያ ነቲ ናብኣ ዝቐረበ መሬት ኣፍሪቃ፣ ማለት ቱኒስ ክትረክብ ብናይ ሻቡ ስነ-መጎት ባህርያዊ ነበረ። ኢጣልያ ናብ’ዛ ካብ ጎቦታት ኣልጵስ ቀጺላ እተራኽብ ሓውሲ ደሴት ኣፍሪቃ ዝኾነት ቱኒስ ሰፋሮን ነጋዶን ሰዲዳ፣ ገንዘብ ኣብ ስርዓተ-መስኖ ኣዋፊራ፣...
ኤርትራ፡ 'ማእሰርቲ መራሕቲ ሃይማኖት ብሸኽ ሻዕባን ኣይተጀመረን' - ደሃዮምከ?
ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሓምለ፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ እትርከብ ፍልጥቲ ማእከል 'ሕፍዚ ቍርኣን' ሃንደበት ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ኣካያድን ሸኽን እታ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባን ተኣሲሮም ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ይዅን ኵነታቶም ከምዘይፍለጥ፡ መቕርቦም ይገልጹ። ነዚ ፍጻመታት መሰረት ብምግባር፡ ሸኽ ኣድም፡ ንኽፍትሑ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኤርትራ መሰል እምነት ክኽበር፡ ኣብታ ሃገር ዝግበር ግህሰት መሰላት ደው ንኽብል ጸቕጢ ንምግባር ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ድምጾም የስምዑ ከምዘለዉ፡ ሓደ ካብ ወደብቲ እቲ ምንቅስቓስ፡ ኣቶ እድሪስ ኢብራሂም ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ...

























