መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ
ብምኽንያ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ኣጋጣሚ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ትቅርብ ዘላ፥ ነቶም ተማሃሮ ነባር መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ዘጸንብሉ ዘለወ ፡ ነቲ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ዝትረኽ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመሳርታ ቤት...
Latest releases
ኢትዮጵያ፡ ናብ ዳግማይ ኲናት ክትኣቱ ድያ?
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይእቶ ስግኣት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ይድርኾም ኣሎ። እቲ ዝቐደመ ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ደው ካብ ዝብል ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ጥራይ'ዩ ኣቝጺሩ ዝርከብ። "እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ይዅኑ እቶም ኣውቶቡሳት ክጥቀሙ ዘይክእሉ [ብነፋሪት] ይወጽኡ ኣለው፡" ክብል ሓደ ነባሪ...
ኢማራት፡ ቱርኪን ስዑድያን ካብ ኢትዮጵያ እንታይ'የን ዝደልያ?
ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ዞባዊ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ኣልዓለት ምስ ኤርትራ ዝነበረን ርክብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሻሕከረ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ምስቲ ገና መዕለቢ ዘይተረኸቦ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ተተሓሒዙ ስም ኢትዮጵያን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ብተደጋጋሚ ክልዓል ይስማዕ። እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ተጸሚዶም ዘለዉ ብሒመቲ ዝምርሑ ዳዕመ ስሪዕን ብኣል ቡርሃን ዝመርሑ ሰራዊት ሱዳንን ናይ ውክልና ኵናት የካይዱ ምህላዎም ይግለጽ።
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ካብ ሶማልያ ክሳዕ ምጽዋዕ ገማግም ባሕሪ ዝሕሉ 'ፍሉይ ሓይሊ' ከም ዝሃነጸ ገሊጹ
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብ22 ለካቲት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሃገሩ ንወተሃደራዊ ዓቕማ "ካብ ልምምድ ምድሪ ናብ ልምምድ ባሕሪ፡" ከም ዘሰጋገረቶን ካብ ሶማልያ ክሳብ ወደብ ምጽዋዕ [ኤርትራ] ንዝዝርጋሕ ዞባዊ ገማግም ባሕሪ ክትሕሉን ምዃና ገሊጹ። ኣቢይ፡ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ንመበል 65 ዓመት ኣብ ዝተባዕለ እዚ ፍሉይ...
ኤርትራ፡ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ጋሽ ባርካ ቀረብ ኤለክትሪክ ንምምሕያሽ ባጀት ሰሊዑ
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ኤርትራ ቀረብ ኤለትሪክ ንምስፍሕፋሕ ናይ 58 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ብ18 ለካቲት ዝጸደቐ ባጀት፡ ኣብ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከባ ሰለስተ ከተማታት ተሰነይ፡ ከርከበትን ባረንቱን ጽሩይን ዘየቋርጽን ኤለትሪክ ንምቅራብ ዝዓለም ከምዝዀነ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።


























