The Red Sea Council Egypt Wants Would Lock Out America
When Egyptian Foreign Minister Badr Abdelatty stood alongside his Eritrean counterpart Osman Saleh in Cairo this week and demanded rapid activation of the Red Sea and Gulf of Aden Council, the...
Latest releases
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ 'ኣፍደገ ባሕሪ ንናይ ምርካብ ጻዕረይ ትዕንቅፋ ኣላ' ክትብል ከሲሳ
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ምስ ኤርትራ ስምምዕ መጓዓዝያ ባሕሪ ድሕሪ ምኽታማ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ሰላም ንምትዕንቓፍን ንምዝራግን ትንቀሳቐስ ኣላ ክትብል ከሲሳ። ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ብሓሙስ 21 ግንቦት 2026 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ካብ ካይሮ ዝመጽአ "ዘይሃናጺ ውዲት" ነቲ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ንምዕንቃፍን ኣቓልቦ ንምስራቕን ዝዓለመ ምዃኑ...
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ልዕሊ ዝበጽሓ ዕጫ ትስጕምዶ ትኸውን?
ድሕሪ 18 ዓመታት ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝኣተወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ዝወደቐ ዕጫ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027፡ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጊኒን ኬንያን በጺሕዋ። ካብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ቀዳመይትን ካልኣይትን ዝወጽኣ'የን ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሓልፋ፤ እንተዀነ ኣብዚ ኤርትራ በጺሕዋ ዘሎ ምድብ እትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ፡ ምስ ታንዛንያን ዩጋንዳን ብምዃን ነዚ ውድድር ካብ ዘአንግዳ ሃገራት ብምዃና እተመዝግቦ ውጽኢት ብዘየገድስ ብቀጥታ'ያ ክትሓልፍ። ካብተን...
ዘይሕጋዊት ጃልባ መሪሑ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ኤርትራዊ ተኸሲሱ
ሓደ ኤርትራዊ ጃልባ መሪሑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንመትረብ ዓዲ እንግሊዝ ኣቋሪጹ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምእታዉ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። እዚ እድሪስ ዓብዱ ዝተበሃለ ኤርትራዊ ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ብራድፎርድ ዝነብር ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት 2025'ዩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ። እቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ከኣ "ንሕጊ ኢሚግረሽን ዓዲ እንግሊዝ ጥሒሱ" ዝብል ክሲ'ዩ። እድሪስ ዓብዱ ብዓርቢ'ዩ ኣብቲ ኣብ ብራድፎርድን ኬግሊን ኣብ ዝብሃል ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፤ እንተዀነ ክብደት እቲ ክሲ ኣብ ግምት ኣትዩ፡ጉዳዩ...
'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር
ዓቢ ጕጅለ ልኡኽ መሪሑ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ስፍሕ ዝበለ ቃለመሕትት ኣካይዱ። በድር ዓብደልዓጢ ከም ዝበሎ፡ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን "ዓቢ ዓይነታዊ ገስጋስ" ኣመዝጊቡ ኣሎ። ብቐዳም፡ ክልቲኦም ወገናት ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ፈሪሞም ነይሮም'ዮም።


























