ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ጸዊዓ
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክወጽእን ንልዝብ ድሉው ክኸውንን ጸዊዑ።ብመንገዲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ጊዴዮን ጢሞትዮስ [ዶ/ር] ንመዘናኡ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብቀዳም 07 ለካቲት ዝተጻሕፈ ምዃኑ ዝተመልከተ ደብዳበ፡ ኤርትራ ልኡላዊ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቕ ጥሒሳ ተቘጻጺራ ከምዘላ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ልኡላውነቱን ዶባቱን ካብ ምግሃስ ክቝጠብ ኢትዮጵያ...
Latest releases
ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ብፖሊስ ይድለዩ ኣለዉ
ፖሊስ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ኣሳእል ናይቶም ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ደንሃኽ [ሄግ] ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ‘ኤርትራውያን ጕጅለታት’ ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ፡ ኣብ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ክግበር ጸዊዑ።
ቢንያም ግርማይ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተኣልዩ
ትማሊ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሳልሳይ ዝወጽአ ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ክልተ ግዜ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ከምዘሎ ጋንትኡ ኣፍሊጣ።
ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብእግሪን ብዝተፈላልየ ኣገባባትን ዝግበሩ ሓደገኛ ጕዕዞታት ስግረዶብ ኤርትራውያን ተራእዮም እዮም።
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
ዋሽንግተን/ኣስመራ —ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።

























