ኬንያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣብ ከቢድ ፍርሒ
ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንኣሽቱ ድኳናትን ሸቐጥ ጐደናን ትወስዶ ብዘላ ስጕምቲ፡ ከም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ከም ዘለዉ ተፊሊጡ። መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣሽቱ ድኳናት ዘካይዱን ኣብ ጐደናታት ዝሽቅጡን ወጻእተኛታት ዜጋታት ተሪር...
Latest releases
ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ብምግላጽ ንኢትዮጵያ ኣረጋጊጻ
ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ምምሕዳር ትራምፕ ማሳድ ቡሎስ፡ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዝዀነ ዓይነት ምስጢራዊ ስምምዕ ከም ዘይገበረት ብምግላጽ፡ እቲ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንሰላም እቲ ዞባ ጥራይ ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ኣማኻሪ ትማሊ ምሸት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኣንጻር ካልእ ናይቲ ዞባ መሻርኽቲ...
ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ማስዓድ ቡሎስ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ካይሮ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ዘካየዶ ርክብ "ጸረ-ኢትዮጵያ" ዝዀነ ትሕዝቶ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ። እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተገብረ ዝርርብ "ዘይግባእ ትርጕምን መልክዕን ተዋሂቡዎ" ከም ዝተቓልሐ ገሊጹ። ...
ኤርትራ - ኢትዮጵያ፡ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ፍሉይ ቈላሕታ ከም ዝደሊ ተገሊጹ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፡ ጽልዋታት ኲናት ዩክረይን ኢራንን ዝተሓላለኸ ውሽጣዊ ቍጠባዊ ጸገማትን፡ ጥሜት ኣብቲ ዞባ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ሓድሽ ጸብጻብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 90 ሚልዮን ሰባት ንጥዕና ዝበቅዕ መኣዲ ንምቕራብ ዓቕሚ ክስእኑ ከለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ዝመጽእ ሕዱር ጸገማት ጥዕና ህጻናት ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ከም ዝርከብ የገንዝብ። ...
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ባንክ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰነ 2026፡ ካብ ባንክታት ወጻኢ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዘይ ዓቐን ተታሒዙ ዘሎ ባጤራ ናቕፋ፡ ክሳዕ መወዳእታ ሓምለ ናብ ሕሳብ ባንክ ክኣቱ ዘገድድ ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር እዩ።እቲ ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ብዙሕ ሰብ፡ ብሰንኪ ዝተጓተተን ዘይምዕቡልን ኣሰራርሓ ባንክታት ገና ገንዘቡ ኣታዊ ክገብር ከምዘይከኣለ እዩ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘመልክት። ...

























