UK threatens to ban Eritreans over migrant return policy
Home Secretary Shabana Mahmood has threatened to ban all Eritreans from entering the UK if the east African country's government does not accept more returns of small boat migrants and foreign...
Latest releases
ባንክ ኤርትራ ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ጥረ ገንዘብ ዝድርት ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኡ
ባንክ ኤርትራ፡ ውልቀ-ሰባትን ብሕታዊ ትካላትን ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ኢዶም ክሕዝዎ ዝኽእሉ መጠን ጥረ ገንዘብ ናቕፋ ብደረጃታት ዝድርት ሓድሽ ሕጋዊ ምልክታ ኣውጺኡ። እዚ ሎሚ 9 መስከረም 2026 ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ተሓቲሙ ዝወጽአ "ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 134/2026"፡ ኣርባዕተ ዓንቀጻት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ ብባንክታትን ፊናንስያዊ ትካላትን...
ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝተመደበ ልዕሊ 60 ሚልዮን ባጀት ኣጽዲቚ
ንኤርትራ ንምድጋፍ ብትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ንድፊ ዕዮን ባጀትን ተቐባልነት ረኺቡ። እቲ ብሰኑይ 7 መስከረም ብፈጻሚ ቦርድ ዩኒሴፍ ዝጸደቐ ሰነድ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ($63,220,000) ዝግመት ኰይኑ ኣብታ ትሑት እቶት ዘለዋ ሃገር ንዝርከብ ትካላትን ስርዓታትን ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ጨንፈር ዩኒሴፍ ኣብ ኣስመራ ሓቢሩ። ኣስታት 28 ሚልዮን ካብኡ ንትምህርቲ ዝውዕል ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 26 ሚልዮን ድማ ንድሕነትን ምዕባለን ቈልዑ ከምዝውዕል እቲ ሰነድ...
ኬንያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣብ ከቢድ ፍርሒ
ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንኣሽቱ ድኳናትን ሸቐጥ ጐደናን ትወስዶ ብዘላ ስጕምቲ፡ ከም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ከም ዘለዉ ተፊሊጡ። መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ...
ወይዘሪት ዓለም 2026፡ ስኒት ኣብተን ሽዱሽተ ቀዳሞት ተሰሪዓ ዘሕብን ታሪኽ ሰሪሓ
ንኤርትራ ወኪላ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ወይዘሪት ዓለም (Miss World) ኣብ ከተማ ንሃ ትራንግ፡ ቬትናም ዝተሳተፈት ስኒት ሃብተኣብ ተወልደመድህን፤ ኣብቲ ብ5 መስከረም 2026 ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ መድረኽ፡ ምስተን ቀዳሞት 6 ብሉጻት ተወዳደርቲ ተረቚሓ፡ ብሚልዮናት ብዝቝጸር ህዝባዊ ደገፍን ብምርጫ ህዝቢን ተሸሊማ ንሃገራ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊባ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዙር፡ ስኒት ምስ ተወዳደርቲ ማሌዥያ፡ ቬትናም፡ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ፡ ስጳኛን ደቡብ ኣፍሪቃን ብምዃን እያ ኣብ መድረኽ...
























