ኤርትራ፡ 'ግዓት' ኣብ ዝርዝር ባህላዊ ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ ትዳሎ
ኤርትራ፡ ነቲ ብወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርስታታ ንምዕቃብን ኣብ ዓለምለኻዊ መዝገብ ንምስፋርን ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕማ ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ መርበብ ሓበሬታ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ምድላው "ግዓት"...
Latest releases
ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝልመድ ዘሎ መብጣሕቲ ሕርስን ሳዕቤኑን
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ መብጣሕቲ ሕርሲ ወይ ሲዛርያን ሰክሽን (CS) ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጥራይ ክግበር ይምዕድ። መብጣሕቲ ሕርሲ፡ ህይወት ኣደታትን ዕሸላትን ንምውሓስ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጥራይ ክግበር ዝላበው ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብደረጃ ዓለም ካብ ዝውለዱ ህጻናት ካብ 10–15 ሚእታዊት ጥራይ እንተዀነ ይምዕድ። ይዅን'ምበር ኣብዚ እዋን እዚ ብመብጣሕቲ ዝካየድ ሕርሲ ኣዝዩ እናወሰኸ ብምምጽኡ ስክፍታታት የልዕል ኣሎ። ብደረጃ ዓለም መጠን ካብ ዝውለዱ ህጻናት ብገምጋም እቶም 21.1 ሚእታዊ ብመብጣሕቲ እዮም ዝውለዱ...
ብጽምእን ጥምየትን ዝሃለቝ ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ስደተኛታት
22 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብታ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ትኸይድ ዝነበረት ጃልባ ንሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝሞቱ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ኣፍሊጡ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ህጻንን ዝርከብዎም 26 ሰባት ካብቲ ሓደጋ ብዓርቢ ብሓለዋ ዶብ ኤውሮጳ ድሒኖም። ክልተ ካብኣቶም ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ናብ ዝርከብ ሄራክሊዮን ዝብሃል ሆስፒታል ተወሲዶም።
ቅልውላው ነዳዲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጕምታት
ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስዒቡ፡ ኢራን ዝወሰደቶ ብግዜን ቦታን ሰፊሕ ግብረመልሲ ዓለማዊ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ሎ። ብፍላይ እቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣገደስቲ መስመራት ነዳዲን ጋዝን ዓለም ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዋ ቀረብ ጸዓት ብደረጃ ዓለም ኣብ ሓደጋ ወዲቝ ይርከብ። ቀጥታዊ ተጠቀምቲ እዚ ብኢራን ተሓኒቝ ዘሎ መስመር ዝዀና ሃገራት ኤስያ ብፍላይ፡ ነቲ ዘጋጠመን ቅልውላዋት ንምግጣም ዝተፈላለየ ስጕምትታ ይወስዳ ኣለዋ። ...
ሞሮኮ፡ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኣገዳስነቱን
እታ 'ኣግማል ቀይሕባሕሪ' ተባሂላ እትጽዋዕ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ብኵራት ናብ ጸወታ ዝተመለሰት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትማሊ ምስ ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ቅድመ መጻረዩ፡ ክልተ ብ ዜሮ ተዓዊታ።,ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ዓብለሎም ተኽለዝጊ (ኣምበስ) ኣብ መበል 81 ደቂቕ፡ እቲ ኣቐዲሙ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓተ ዓሊ ሱሌማን ከኣ ኣብ መበል 90+4 ደቂቕ ብዘመዝገብወን ሸቶታት'ያ ነቲ ዓወት ንደገፍታ ኣበሲራ። ...
























