ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ኤርትራውያን ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠልብዎን ዝጽበይዎን ነገራት እንታይ'ዩ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ 12 ጥሪ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ህሉው ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ቃለመሕትት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ። ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ተመሳሳሊ ቃለመሕትት ኣካይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ኣብቲ ናይ ሽዑ ንኽልተ ሰዓት ዝቐጸለ መደብ፡ ኢሳይያስ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ኵነታት፣ ነቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተፈተነ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን፣ ኣብዚ ሓድሽ ምልሶት ትራምፕ ዝብገስ ዘሎ ሓድሽ "ጽምዶ" ምስ ዋሽንግተን፣ ጸገማት ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዝዛመዱ ዛዕባታትን ኣልዒሉ ነይሩ።
ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ስለምንታይ እዩ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ?
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ንእዋናዊ ጉዳያት ብዝምልከት ቃለመሕትት ከካይድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ዜና ሓቢሩ። "ኣብ ህልው ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት፡ ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ቃለ-መሕትት ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ከካይዳ ምዃነን ንሕብር" ይብል እቲ ሎሚ ካብ ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ። ኣብታ ሃገራዊ ባይቶ፡ ቅዋምን ናጻ ፕረስን ዘይብላ ሃገር፡ ቃለመሕትት እቲ ፕረዚደንት ብዙሓት ዜጋታት ሓድሽ ነገር ንምስማዕ ዝጽበይዎ ኣገዳሲ ፍጻመ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኤርትራ፡ ምፍታሕ እሱራት ሃይማኖት ይቕጽል
ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ምስ እምነትን ሃይምኖትን ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ተወሰኽቲ እሱራት ተፈቲሖም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ተታሒዞም ዝጸንሑ 13 ኣመንቲ ዝተፈላለያ ወንጌላውያን ቤተክርስትያናት ተፈቲሖም ኣለዉ። እቶም ኣብ ቡሽካ ዝተባህለ ቤትማእሰርቲ ዝጸንሑ ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ዜጋታት ናብ ገዛኦም ተፋንዮም ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ የመልክት። ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ብዙሓት ተኸተልቲ ናይቲ ሃይማኖታትን ብኻልእ ጉዳያት...
ኤርትራ፡ ጀነራላት ኢትዮጵያ ሰቒሎም ዘውረድዎ ካርታን ዝፈጠሮ ሓያል ቍጥዐን ግብረመልስን
ላዕለዎት ወተሃደራዊ ጀነራላት ኢትዮጵያ ብሰንበት 4 ጥሪ፡ ንግዝኣት ኤርትራ ቈርሚሙ ናብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ዝቐረበ ካርታ ሒዞም ብምርኣዮም ኣዛራቢ ኰይኑ ቀንዩ። እዚ ፍጻመ፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ'ቲ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዛ ኢትዮጵያ ከተቕርቦ ዝጸንሐት፡ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪን፡ ንልዑላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ትረኻታትን ናብ ሓድሽ ኲናት ከይኣትዋ ከቢድ ስግኣት ኣብ ዘለወሉ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብቲ ብላቴ ኣብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምረቓ ሰልጠንቲ ወተሃደራት፡ ሓላፊ ኣሃዱ ፍሉይ ስርሒታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሌተና ጀነራል ሹማ ኣብዴታ ምስ ካልኦት ክልተ ጀነራላት ሒዞምዎ ዝተሳእሉ ካርታ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓያል ቍጥዐ ዝፈጠረ...

























