ዑደት ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራን ዞባዊ ኵነታትን
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸሪጂ ብሓሙስ 12 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ኣስመራ ብምእታው ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጸን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዑደት ናይቲ ብምክትል ምኒስተር፡ ኣብ መንጎ...
Latest releases
ኤርትራ፡ 50 ሽሕ ሰራዊት ሱዳን ከተሰልጥን ድያ?
ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ብዙሓት ጐረባብቲ ሃገራት ብሓደ ወገን ይዅን በቲ ኻልእ ኢደን የእትዋ ከምዝለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሓደ መሓመድ ኣ'ጃኩሚ ዝተባህለ መራሒ ሓይልታት ሰሜን ሱዳን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሃገሩ ወተሃደራት ኣብ ምስልጣን ክትሕግዞም ቃል ከምዝኣተወትሎም ተዛሪቡ። ንሱ ንሓንቲ ኣብ ሱዳን እትሕተም ኣ'ሱዳኒ እትብል ጋዜጣ ብ27 ሰነ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ንሱ ዝውክሎ ዞባ ሰሜን ሱዳን ካብ ስግኣታት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንምክልኻል ዘኽእሎም ክሳብ 50 ሽሕ ዝበጽሑ ተቓለስቲ...
ጽምዶ ደግያት ባህታ ሓጎስ ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ
ከም መእተዊ፡ 'ደግያት ባህታ ሓጎስ ብታሕሳስ 1894 ንሓይሊ ጣልያን ብጅግንነት ብምድፋር ናዕቢ ዝፈጠሩ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ነበሩ' ኢልና ምስ ኣንባቢ ከነፋልጦም ንኽእል። ታሪኽ ባህታ ሓጎስ ካበይ እንተ ጀመርናዮ ይሓይሽ? ኢጣልያውያን ንባጽዕ ድሕሪ ምሓዞም፡ ንመላእ ኤርትራ ግዝኣቶም ንኽገብሩ ተበገሱ። እዚ ምስቲ ናይ ብ1884–1885 ኣብ በርሊን ዝተኻየደ ዋዕላ ኤውሮጳውያን - እዚ ማለት ምስቲ ሽዑ ዝተኣታተወ ሰፊሕ መደብ ሃጸይነት (ኤውሮጳዊ "ሻማ-ሻማ ኣፍሪቃ") ዝተኣሳሰር'ዩ ክበሃል ይከኣል። ብ1889 ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ምስ...
ቻምፕዮን ኤርትራ 2025፡ ዓይንኻ ዘየኽድን ተሃራፊ ጸወታ
ቻምፕዮን ኤርትራ፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ ዘይተዓወተሉ ውድድር እዩ። ሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ሓንሳብ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳን ዙር ኩንሃይን ክኸውን ዝኸኣለ ሄኖክ ምሉብርሃን ክዕወተሉ ዘይክኣለ ውድድር እዩ። ቢንያም ግርማይ ዓሚ ቅድሚ ናብ ዙር ፈረንሳ ምቕንዑ ኣብ ድሮ ቻምፕዮን ኤርትራ ንኤሪ ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካብ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ክትዕወት ኣብ ዙር ፈረንሳ ናይ መድረኽ ዓወት ከተመዝግብ ይቐልል፡" ኢሉ...
ኤርትራ፡ 'ኢትዮጵያ ኲናት ንምውላዕ ትደሊ ኣላ' ክትብል ከሲሳ
ኢትዮጵያ "ኲናት ንምውላዕ" መመኽነይታ ትደሊ ኣላ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ። ምኒስትሪ ዜና ሓሙስ ምሸት፡ "ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል፡" ብዝብል ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ "ስርዓት ኢትዮጵያ ልኡላዊ መሬትን ባሕራዊ ግዝኣትን ጐረቤት ሃገሩ ንምጕባጥ ካብ ዘለዎ ዘይሕጋውን እዉጅን ጥሙሕ ዝመንጨወ'ዩ፡" ይብል። ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ መግለጺ ዝሃበቶ ግብረመልሲ ዛጊት የሎን። ...

























