ኡጋንዳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዝቲ ምውሳናን ዝተሓላለኸ ኵነታት ስደተኛታትን
ኣብ ኡጋንዳ ምኒስተር ድልውነት ሓደጋን ስደተኛታትን ሳም ኤንጎላ፡ ቍጽሪ ዕቝባ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምንታይ ይውስኽ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዝቲ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ኡጋንዳ ንምሉእ ዓመት ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ምቕባል ስደተኛታት ዳግማይ ድሕሪ ምጅማራ፡ እቲ ቍጽሪ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ምኒስተር ዜና ንብልጽግናን 'ተሓለቕቱን' ብትሪ ወቒሱ
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ እቲ "ፖተምኪን" ኢሉ ዝጠቕሶ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያን፡ እሙናት ደገፍቱን "ቍጹራት ተሓለቕቱን" ተግባራት እቲ ሰልፊ ንምምኽናይ ደረት ዝሓለፉ እዮም ክብል ብትሪ ወቒሱ። እታ ሃገር ንጐረባብታ እናተንከፈት ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ትፈጥር ኣላ ብምባል ድማ ነጥብታት ዘርዚሩ። እቲ ኣብ 2018 ተስፋ...
ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን
ኣብ መበል 62 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ስልጣኑ ክሕደስን ጉዳይ ተሓታትነት ክቕጽልንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጻውዒት ኣቕሪበን። እዚ ብ31 ዘይመንግስታውያን ኣህጉራውያን ማሕበራት ብ12 ግንቦት 2026 ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ናብቶም ኣብ ጀነቫ ዝርከቡ ቀወምቲ ወከልቲ ኣባላት ሃገራትን ተዓዘብትን ዝተላእከ እዩ።
Sudan: Eritrean Refugees Overview in Sudan (as of 30 April 2026)
Despite the ongoing conict that began in April 2023,Sudan continues to host a substantial number of refugees, totaling 866,749 as of April 2026, Eritrean refugees represent (16%) of this total...
ኢትዮጵያን ኣመሪካን ክልተኣዊ 'ናይ ምክልኻል' ስምምዓት ተፈራሪመን
ኣመሪካን ኢትዮጵያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታን ምርግጋእን ንምድንፋዕ ክልተኣዊ ስምምዓት ከም ዝፈረማ ገሊጸን። ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ጊዴዮን ጢሞተዮስ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ክልተኣዊ ዘተ ንምግባር ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ተራኺቦም ነይሮም። እዚ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ከም እተልዕሎ ኣብ ዝገለጸትሉ'ያ ምስታ ቀንዲ መጻርርቲ ኤርትራ ዝዀነት ኢትዮጵያ ክልተኣዊ ስምምዓት ትገብር ዘላ። ...


























