The Red Sea Council Egypt Wants Would Lock Out America
When Egyptian Foreign Minister Badr Abdelatty stood alongside his Eritrean counterpart Osman Saleh in Cairo this week and demanded rapid activation of the Red Sea and Gulf of Aden Council, the...
Latest releases
ዑደት ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራን ዞባዊ ኵነታትን
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸሪጂ ብሓሙስ 12 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ኣስመራ ብምእታው ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጸን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዑደት ናይቲ ብምክትል ምኒስተር፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምዕማቝ፡ ኣብ ዞባውያን ዓለማውያን ጉዳያት ሓባራዊ ራእይ ብምዅስኳስ ዝያዳ ምምዕባሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝገለጸሉ ወሲኸን ይገልጻ። ...
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ 2018፡ ብፍቕራዊ ቃላት ዝተወዳደሱ፡ ብህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕብረተሰብ ዓለምን ዝተሞጎሱ፡ 'ቤተይ ብዘይካኻ፡ ዳሰይ ብዘይብኣኻ እትን ኣይደምቕ እትን ኣይመውቕ' ብዝዓይነቱ፡'ኣብ ጸበባ ቅድመኻ ኣብ ድማዕ ምሳኻ' ተበሃሂሎም ቀለበት ኪዳን ዝኣሰሩ፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቓላት ካብ ዝተራኽሑን ሓድሕዶም ካብ ዝዘናጠሉን ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ...
ዓለማዊ ትካል፡ ንኤርትራ ብብልሽውና ምስ ቀዳሞት ሃገራት ሰሪዑዋ፡ ኢትዮጵያኸ?
ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ዝፍጸም ብልሽውና ዓመታዊ ዝከታተል ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ ናይ 2025 ደረጃ ብልሽውና ዕላዊ ገይሩ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ 182 ሃገራት ዝሰርዐ ክኸውን ከሎ፡ ንኤርትራ ካብተን ኣዝየን ብብልሽውና ዝተጠቕዓ ቀዳሞት ሃገራት ሰሪዑዋ። ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሸ ቦታ ተቐሚጣ። ብመሰረት፡ ዓመታዊ መዐቀኒ ኣረኣእያ ብልሽውና፡ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ ኢትዮጵያ ካብ 182 ሃገራት ኣብ መበል 96 ደረጃ ትርከብ። ኢትዮጵያ ኣብ 2025 ኣብ...
ኤርትራ፡ ኣብ መኣዲ ኢትዮጵያ ከምዘይትዕደም ገሊጻ
ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት፡ "ብቃናኡን ትሕዝቶኡን ዘስደምም" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕጂ'ውን ኣብቲ መኣዲ ከምዘይትዕደም ገሊጻ። እቲ ሰኑይ 9 ለካቲት ብመንገዲ ምኒስትሪ ዜና ዝወጸ ምላሽ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ጥሕሰት ልኡላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያን ምድጋፍ ዕጡቓት ሓይልታትን ዝኸስስ መግለጺ፡ "ናይ ሓሶት ጠቐነ፡" ኢሉ ብምግላጽ "ንጥጁእ ዕላማ ዝተፈብረኸ፣ ብቃናኡን ትሕዝቶኡን ዘስደምም፡" ኢሉዎ። እቲ ብመንገዲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ...


























