ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ቢቢሲ ዘጻረዮም ኣሳእል እንታይ የመልክቱ?
ረቡዕ 7 ጥቅምቲ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ከም ዝተራእዩ ነበርቲ ንቢቢሲን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ዝሓበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዝተፈላለዩ ኣሳእልን ቪድዮታትን እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሖም እዮም። ነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝገለጽዎ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብመኻይን ጽዕነትን ብእግሮምን ብከተማ ዓዲ-ግራት...
Latest releases
ናጻ ፕረስ፡ ኤርትራ ዳሕረዋይ ቦታኣ ትዕቅብ፡ ኢትዮጵያ ተንቈልቍል
ኣብዚ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ዓለም ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻባት ከም ዘመልክቶ፡ ኤርትራ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ 180 ሃገራት፡ ናጽነት ፕረስ ብምዕፋን ኣብቲ ዝተሓተ መወዳእታ ደረጃ (180/180) ተሰሪዓ ትርከብ። እቲ ብትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (RSF) ዝወጸ ናይ 2026 መለክዒ፡ ኤርትራ ንጋዜጠኛታት ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ...
ካናዳ፡ ሓደ ወላዲ ንደቁ ብምቕታሉ ብቐዳማይ ደረጃ ቅትለት ተኸሲሱ
ኣብ ካናዳ ከተማ ካልጋሪ ሓደ ወላዲ ብቕትለት ክልተ ደቁ ብቐዳማይ ደረጃ ቅትለት ተኸሲሱ። ሬሳ ናይቶም ወዲ ሓሙሽተ ዓመትን ጓል ሰለስተ ዓመትን ደቁ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ካልጋሪ ብሓሙስ'ዩ ኣብ ውሽጢ መኪና ተረኺቡ። እቲ ወዲ 37 ዓመት ክሱስ ብዓርቢ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ናብ ቤትፍርዲ ከተማ ካልጋሪ ከም ዝቐረበ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ቤትፍርዲ ስም ክሱስን እቶም ግዳያትን ብማዕከናት ዜና ከይግለጽ ስለ ዝሓተተ፡ መንነት ግዳያትን ስም ክሱስን ክገልጽ ከም ዘይከኣለ ማዕከን ዜና ሲቢሲ...
ራእሲ ኣስራተ ካሳ፡ ኣብ መንጎ ንጉሳዊ ውርሻን ስትራተጅያዊ ብድሆታት ኤርትራን
ኣብ መንጎ ልኡላዊ ክብሪ ንግስነትን ቃልሲ ሓርነት ኤርትራን ተወጢሩ ዝነበረ ራእሲ ኣስራተ ካሳ፡ ኣብ ታሪኽ ምምሕዳር ኤርትራን ዳሕረዎት ዓመታት ስርዓት ሃይለስላሰን ስትራተጅያዊ ጽልዋ ካብ ዝነበሮም ሰበስልጣን እቲ ቀንድን ወሳንን ነበረ። እዚ ብ1 ግንቦት 1922 ኣብ ፈቸ (ኣምሓራ) ዝተወልደ ብርቱዕ ጽልዋ ዝነበሮ ፖለቲከኛ፡ ብ23 ሕዳር 1974 ኣብ...
ኤርትራ፡ ንጠለብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ 'ተዅታዅን ዘይሕጋውን' ክትብል ነጺጋቶ
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘቕርብዎ ዘለዉ ተደጋጋሚ ምጕት "ዘይሕጋውን ተዅታዅን" ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ። እቲ ምኒስትሪ ትማሊ 29 ምያዝያ 2026 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝስማዕ ዘሎ ትረኻ፡ ሓንቲ ዓባይ ሃገር ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ጐረባብቲ ሃገራት ምስፍሕፋሕ መሬት ከም ቅቡል ክትወስዶ ትኽእል እያ ካብ ዝብል ግጉይ መበገሲ...


























