ኬንያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣብ ከቢድ ፍርሒ
ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንኣሽቱ ድኳናትን ሸቐጥ ጐደናን ትወስዶ ብዘላ ስጕምቲ፡ ከም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ከም ዘለዉ ተፊሊጡ። መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣሽቱ ድኳናት ዘካይዱን ኣብ ጐደናታት ዝሽቅጡን ወጻእተኛታት ዜጋታት ተሪር...
Latest releases
ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ጸዊዓ
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክወጽእን ንልዝብ ድሉው ክኸውንን ጸዊዑ።ብመንገዲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ጊዴዮን ጢሞትዮስ [ዶ/ር] ንመዘናኡ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብቀዳም 07 ለካቲት ዝተጻሕፈ ምዃኑ ዝተመልከተ ደብዳበ፡ ኤርትራ ልኡላዊ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቕ ጥሒሳ ተቘጻጺራ ከምዘላ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ልኡላውነቱን ዶባቱን ካብ ምግሃስ ክቝጠብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ጸዊዓ ከምዝነበረት ጠቒሱ፡ እቲ ጻዕርታታ ግን ከምዘይተዓወተት ገሊጹ።
መንግስቱ ይስሓቕ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ንፋሺሽትነት ብምቅዋሞም ኣብ ማእሰርቲ ዝተሳቐዩ ኤርትራዊ
ኢጣልያዊ ደራሲ ማርኮ ሌንቺ ዝጸሓፋ 'All'inferno e ritorno' ("ናብን ካብን ገሃነም") ዘርእስታ ታሪኻዊት ግን ልበ-ወለድ ዘይኰነት መጽሓፍ ኰይና፡ ንፍሉይን ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ ዝበሃልን መዳይ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ እትምርምር እያ። እታ መጽሓፍ፡ ሰበ-ስልጣን መግዛእቲ ጣልያን፡ ብፍላይ ኣብ ፈለማይ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ተቓወምትን ንመግዛእታዊ ምሕደራን ዘይተዋሕጠሎም ሰባት ንምቕጻዕን ንምምብርካኽን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መስርሕ መስጐግቲ ዜጋታት ዘተኰረት እያ። ንጣልያን ዝጻብኡ...
ጀርመን፡ ፖሊስ 'ቀታሊ ዮሴፍ' ኢሉ ንዝጠርጠሮ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒሉ
ፖሊስ ካብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ ንቐታሊ ወዲ 14 ዓመት ኤርትራዊ ዮሴፍ ንምርካብ ሰፊሕ ጻዕሪ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ በቲ ገበን ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ገሊጹ። ዮሴፍ ንመወዳእታ ብህይወት ዝተራእየሉ ብ28 ጥሪ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኰይኑ፡ ሓደ ብእግሩ ዝጓዓዝ ዝነበረ ሰብ ከባቢ ሰዓት 5:00 ድሕሪ-ቐትሪ...
ኣስመራ፡ ንትረኻ ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ሓይልታት ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ነጺጋ
ኤርትራ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ዝሃቦ መግለጺታት "ሕሱርን ፍንፉንን" ክትብል ኮኒና። እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ ትማሊ ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ቅትለት ዝርከቦ ግፍዕታትን ዝምታን ከምዝፈጸመ ከሲሱ'ሎ። በቲ መግለጺ ዝተቖጥዐት ኣስመራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋንን ድሕሪን ኲናት ትግራይን ንሰራዊት ኤርትራ ዝሃቦ ምስጋናን ሜዳልያታት ሃገርን ኣዘኻኺራ። "ቀይሕ ባሕርን ኢትዮጵያን ንዘልኣለም ተፈላልዮም...


























