ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ካብን ናብን ኣስመራ ሓድሽ መስመር በረራ ከፊቱ
መንገዲ ኣየር ኢትሓድ፡ መስመራት ኣቭየሽን ኣፍሪቃ ዳግማይ ንምሕዳስን ንምስፋሕን ኣብ ዝሓንጸጾ ስትራተጅያዊ ውጥን፡ ንኣስመራ፡ ካብ 7 ሕዳር 2026 ጀሚሩ ቀጥታዊ በረራታት ከም ዝጅምር ብወግዒ ኣፍሊጡ። እዚ ውሳነ ናይቲ ግዙፍ መንገዲ ኣየር ንኤርትራ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ድሩት ኣህጉራዊ በረራታት ትጻገም ኣብ ዘላትሉ...
Latest releases
ስነጥበበኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ በሃር በረኸት መንግስትኣብ እንታይ ኢሎም?
በሃር ሃርሃሪ በረኸት መንግስትኣብ ኣብዚ ከየባተኸ ንልዕሊ 65 ዓመታት ኣብ ስነጥበብ ዝተጓዕዞ፡ ልዕሊ 300 ደርፍታት ኣፍርዩ። ሙዚቃዊ ስርሓቱ ዝተፈላለዩ ህርመታት፡ በበይኖም ቅኒታት፡ ዓሚቝን ሰፊሕን ትሕዝቶ ግጥምታት ወዘተ ዝሓዘ እዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ሰለስተ ወለዶታት ኣሰር ዝገደፈን ኲኖ ኤርትራ ዝሓልፍ ሰማዕቲ ዝረኸበን እዩ። ዜና ዕረፍቱ ምስ ተሰምዐ፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውን፡ ሱዳናውያን. . . ብዝተፈላለየ መንገዲ 'ብሰላም ዕረፍ' ክብሉን ኣድናቖቶም ክገልጹን ይስምዑ ኣለዉ።
ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ክሳብ ሕጂ መን እንታይ ኢሉ?
ኣፍ ደገ ባሕሪ ካብ መንጐ ዘይብለን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዋንነትን ተጠቃምነትን ወደባት ክህቦ ዝጸንሐት መግለጺታት ብፍላይ ንሶማልያን ኤርትራን ከቘጥዕ ጸኒሑ'ዩ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሮም፡ ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ ምቍጽጻር ወደባት ጌጋ ፈጺማ እያ ብምባል፡ ጕዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ክለዓል ኣለዎ ዝብል ምጕት ከቃልሑ ይስምዑ ኣለዉ። መግለጺታት ኢትዮጵያ ካብ ተጠቃምነት፡...

ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ፡ 'ቀዳማይ' ደራሲ ልብወለድ ትግርኛ
እቶም ብ7 ሰነ 1906 ኣብ ኣፈልባ ዝተወልዱ፡ ብ5 ሓምለ 1993 ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓረፉ ጸሓፍን ተመራማሪ ስነሃይማኖትን መጽሓፍ መዝሙር እናደገሙ እዮም ዓብዮም። ንሶም ክቡር ናይ ሃይማኖት ምሁርን ፈላጥን ዜጋን ነበሩ። ኣባ ገብረየሱስ ገና ብንእሽትኦም እንከለዉ'ዮም ብኮሚሳርያቶ ጣልያን ብዛዕባ ሕርሻ ክምሃሩ ዝተሓረዩ። ዛንትኦም ከኣ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ አትዮፒካ ሰፊሩ ይርከብ፣ ጸሓፍቱ ድማ ኣባ (ዶር) ቴዎድሮስ ኣብርሃን ፕሮፈሰር ራይነር ቮኽት እዮም።