ስነጥበበኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ በሃር በረኸት መንግስትኣብ እንታይ ኢሎም?
በሃር ሃርሃሪ በረኸት መንግስትኣብ ኣብዚ ከየባተኸ ንልዕሊ 65 ዓመታት ኣብ ስነጥበብ ዝተጓዕዞ፡ ልዕሊ 300 ደርፍታት ኣፍርዩ። ሙዚቃዊ ስርሓቱ ዝተፈላለዩ ህርመታት፡ በበይኖም ቅኒታት፡ ዓሚቝን ሰፊሕን ትሕዝቶ ግጥምታት ወዘተ ዝሓዘ እዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ሰለስተ ወለዶታት ኣሰር ዝገደፈን ኲኖ ኤርትራ ዝሓልፍ ሰማዕቲ ዝረኸበን እዩ። ዜና ዕረፍቱ ምስ ተሰምዐ፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውን፡ ሱዳናውያን. . . ብዝተፈላለየ መንገዲ 'ብሰላም ዕረፍ' ክብሉን ኣድናቖቶም...
Latest releases
ብምኽንያት ዕረፍቲ ሐርበኛ ከሰተ ተስፋማርያም መግለጺ መረር ሐዘን
ብምኽንያት መስዋእቲ ሐርበኛ ከሰተ ተስፋማርያም (ብሽም ውድብ ተ፣ሐ፣ኤ መግለጺ መሪር ሐዘን) ብጻይ ከሰተ ተስፋማርያም ዓሪፍካ ዶ ሐምድ ድበ ዕጫ ብጾትካ በጺሑኳዶ ኣፋኑውኒ ኮይኑ ኣምላኽ ካብ ፈቐዶ፣ ወየ ወይ ሐርበኛ ከሰተ ሐረስታይ ክብለካ ዶ ደላይ ፍትሕ ተቃላሳይ ኣብ ዉዑይን ዙሑልን ዝርከብ ብጻይ፣ ኣንጊሁ...
ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ ኣብ ዛላምበሳ ተራኺቡ
ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2013 [ግ] ዝተወልዐ ኲናት ትግራይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታትን ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከይተራኸበ ዝጸንሐ ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ተራኺቡ ብሓደ ከም ዝወዓለ ሪፖርተር ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። እዚ ሎሚ ሰንበት፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ "ጽምዶ" ብዝብል ብኽልቲ ወገን ብዝርከቡ ግዱሳት ዝተመርሐን ኣብ ዝተፈላለያ መዳውብቲ ዓድታት ዝግበር ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምዃኑ ይፍለጥ። ...
ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ዩጋንዳ ምስ ሰብ መዚ እንታይ ዘትዮም?
ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስ ኣማኻሪት ፕረዚደንትን ሓላፊት ድሕነት ኣውፈርትን እታ ሃገር ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተራኺቦም ተዘራሪቦም። 'ስቴት ሃውስ ኢንቨስተርስ ፕሮቴክሽን ዩኒት' ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እታ ኮሎኔል ምስቶም ኤርትራውያን፡ ኣብ ዩጋንዳ ዘሎ ዕድላት ወፍሪን እታ ሃገር ዘለዋ ድሉውነትን ብሰፊሕ ኣብሪሃትሎም። ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣውፈርቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ግዜኡ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ናይ 'ኦንላይን' ኣገልግሎት ተዳልዩ ሰብ ይጥቀመሉ ከምዘሎ...
ኤርትራውያን ተቐማጦ እስራኤል ከመይ ኣለዉ?
ኣብ መንጎ እስራኤል ኢራንን ዝተወልዐ ግጭት ንሻድሻይ መዓልቱ ቀጺሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ መላእ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስግኣትን ሰንፈላልን ከም ዘለዉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ናይታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ካብ ኢራን ዝትኰስ ዘሎ ሚሳይላት መብዛሕትኡ ኣብ ሰማይ እንከሎ ይብርዕን እኳ እንተሃለወ፡ ሓደሓደ ግን ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዓሊቡ ጕድኣት የስዕብ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ከም ሮኾቦት፡ በተኽቲክባን ካልኦት ኤርትራውያን ዝቕመጥሎም ቦታታትን ብዝዓለበ ሚሳይል፡ ቀሊል መቝሰልቲ ዘጓነፎምን...























