My Memoir of the Eritrean Student Movement in Egypt, 1950-1966
This memoir documents a pivotal yet underexamined chapter in modern Eritrean history—the intellectual, political, and cultural role of Eritrean students in Egypt during the formative years between 1950...
Latest releases
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክብረወሰን እንግሊዝ ብዝሰበረ ዋጋ ናብ ሊቨርፑል ተጸንቢሩ
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብ125 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ሊቨርፑል ክጽንበር ምስ ኒውካስል ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ንቢቢሲ ቅርበት ዘለዎም ምንጪታት ሓቢሮም።እዚ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣጥቅዓይ ኣብታ ክለብ ዘጽንሖ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ውዕል ቅድሚ ምፍራሙ፡ ሎሚ ሰኑይ ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ እዩ።ኣሌክሳንደር ኣብ ታሪኽ ፕረምየርሊግ እንግሊዝ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኰይኑ ኣሎ። ዛጊት ኣብ ክራማት 2023 ካብ ብራይተን ናብ ቸልሲ ብ115 ሚልዮን ፓውንድ ዝተሰጋገረ ሞይስ ካይሰዶ እዩ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኰይኑ ጸኒሑ። ሊቨርፑል ነዚ ኣጥቃዓይ...
ብላቴን-ጌታ ሎረንዞ ታእዛዝ: ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ተራ ዝነበሮም ኤርትራዊ
ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሓት ኣቦታት ብሕጽረት ሰነዳት መንነቶም ብደቂቕ ደኣ ኣይፈለጥ'ምበር ብዕላል ወትሩ ዝዝከሩ ሰባት ኣለዉ። ሓደ ካብኦም ብላቴን-ጌታ ሎረንዞ ታእዛዝ እዮም። ኣብ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ታሪኽ ሎረንዞ ታእዛዝ ብሓደ ጕዳይ'ዮም ዝዝከሩ። እቲ ጕዳይ ከኣ ብ1936 ንጉስ ሃይለስላሰ ከም ዕቝባኛ ኰይኖም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቦምሉ ዝነበርሉ እዋን እቲ ኣብ ጀነቫ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ ሓያል መደረ ብሎረንዞ ታእዛዝ ከም ዝተጻሕፈ'ዩ ዝዝንቶ። እዚ ግዜ ጣልያን...
ብዝሒ ዝጠፍኡ ሰባት ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ብ70% ከም ዝወሰኸ ተገሊጹ፡ ኵነታት ኤርትራን ኢትዮጵያንከ?
ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ሰባት ከም ዝጠፍኡን ኣስታት 70% ወሰኽ ከም ዝገበረን ትካል ግብረ-ሰናይ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኣፍሊጡ። እዚ ወሰኽ ብሰንኪ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ኲናት፡ ጃምላዊ ስደትን ዝጠሓስ ዘሎ ምኽባር ሕጊ-ኲናትን ምዃኑ እቲ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር። ዋና ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፒየር ክራሄንቡል፡ "ካብ ሱዳን ክሳብ ዩክረይን፡ ካብ ሶርያ ክሳብ ኮሎምብያ፡ እቲ ዝንባለ ንጹር እዩ፤ ቍጽሪ ዝጠፍኡ...
ዓዲ እንግሊዝ፡ ብምስግጋር ሰባት ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ተታሒዙ
ሓደ ብምስግጋር ሰባት ተጠርጢሩ ኣብ ቤልጂም ኣብ መዝገብ ተደልይቲ ሰባተ ኣትዩ ክድለ ዝጸንሓ ኤርትራዊ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እቲ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ፡ ብሓሙስ'ዩ ኣብ ከተማ ኮቨንተሪ ብፍሉያት ኦፊሰራት ኤጀንሲ ሃገራዊ ገበናት [ National Crime Agency (NCA) ]ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።ኣኽበርቲ ሕጊ ቤልጂም እዚ ውልቀሰብ፡ ስደተኛታት ብመትረብ እንግሊዝ ብጃልባ ንምስጋር ብ2500 ኤሮ፡ ብመኪና ከኣ 1500 ኤሮ ከፊሎም ንምስጋር መንገዲ ከጣጥሕ ከምዝጸንሐ'ዮም ዝገልጹ። ...


























