ንህዝቢ ዘፍቀረን ብህዝቢ ዝተፈቕረን ድምጻዊ
"ተመስገን ገብረስላሰ መን እዩ?" ኢልካ ንሓደ ሰብ እንተ ሓቲትካዮ፡ ቀልጢፉ ምላሽ ከይህበካ ይኽእል እዩ። መጸውዒ ስሙ ቀይርካ "ተመስገን ጣኒቆኸ?" ምስ እትብሎ ግን፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያንን ክንዮኡን ብዛዕባኡ ዘይነጽፍ ዛንታ ድፍንቕ ሕሉፍ እዋን ንእስነት፡ ጦብላሕታ ናፍቖትን ክትሰምዕ ግድን እዩ። ኣብ ፈለማ 2000ታት፡ ንብዙሓት...
Latest releases
ኣብ ኤርትራ በጺሓ ዝተመልሰት ሽወደናዊት ምኒስተር ብዛዕባ ዳዊት ይስሓቕ እንታይ ኢላ?
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ንዑደታ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂባ። ማሪያ ማልመር ስተነርጋርድ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ርክብ ብዛዕባ ዳዊት ይስሓቕ ዝርከቦም ጉዳያት ከም ዝተዘራረበት ሓቢራ። እቲ ንልዕሊ 24 ዓመት ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ጋዜጠኛ ብህይወት ኣሎ ኢላ ከም እትኣምን እታ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሐት ላዕለወይቲ ሽወደናዊት ብዓልቲ ስልጣን ተዛሪባ። "ብህይወት ምህላዉ ዘርኢ ጭቡጥ...
ኣመሪካ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ 'ኣይስ' እንከሎ ዓሪፉ
ሓደ ካብ ኤርትራ ስደተኛ ፉኣድ ስዒድ ዓብደልቃድር ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ ኣብ ፔንስልቬንያ ፊሊፕስበርግ ኣብ ዝከርብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዓረፈ ተገሊጹ። እቲ ወዲ 46 ዓመት ስደተኛ፡ ብ14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሞሻኖን ቫሊ ብኢምግረይሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን (ICE) ተታሒዙ እንከሎ ከም ዝሞተ ተሓቢሩ። ዓብደልቃድር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ 'ኣይስ' ን215 መዓልታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፍትሒ ዳግመ ግምት ኢሚግሬሽን መስርሕ ፍርዲ ይጽበ ነይሩ። ጠንቂ ሞት እቲ...
ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ብዛዕባ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝተኻደ ዝርርብ እንታይ ኢሉ?
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ተዘራሪባ ከምዘላ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ሎሚ ብዛዕባ'ቲ ምብጻሕ ርእይቶ ከምዝሃበ ይግለጽ ኣሎ። ትማሊ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወት ሚኒስተር ማሪያ ማልመር ስተነርጋረድ ምስ ኤርትራዊ መዘናኣ ዑስማን ሳልሕ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ተራኺባ። ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስር ዑስማን ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ "ምዕባለታት ዞባ" ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን "ሰላምን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ" ከምዝተዘራረቡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን እሱራት ምፍትሓ ዘተባብዕ ምዃኑ ገሊጹ
ላዕለዋይ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንኣስታት 18 ዓመታት ብዘይፍርዲ ኣሲራቶም ዝጸንሐት 13 ምፍትሓ ዘተባብዕ ምዕባለ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ትማሊ 15 ታሕሳስ ዝወጽአ መግለጺ፡ "ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ነቶም ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ መቝሕ ዝርከቡ ጕጅለ 11 [ካብ ጕጅለ 15] ሓዊሱ ኵሎም ብዘይፍርዲ ኣብ መላእ ኣብያት ማእሰርቲ ናይታ ሃገር ዝርከቡ እሱራት ብዘይቅድመ-ዅነት ክፍትሑ ንጽውዕ፡" ይብል። ወሲኹ፡ "ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 10,000 ሰባት ተጨውዮም ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ዝግመት ኰይኑ፡ ካብዚኦም ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ካህናትን ተማሃሮን ይርከቡዎም፡" ይብል። ...

























