ኬንያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣብ ከቢድ ፍርሒ
ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንኣሽቱ ድኳናትን ሸቐጥ ጐደናን ትወስዶ ብዘላ ስጕምቲ፡ ከም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ከም ዘለዉ ተፊሊጡ። መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣሽቱ ድኳናት ዘካይዱን ኣብ ጐደናታት ዝሽቅጡን ወጻእተኛታት ዜጋታት ተሪር...
Latest releases
ሬሳ መጓዕዝቶም ተሸኪሞም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ዝተረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትት
ሓለዋ ዶብ ቤላሩስ ሓደ ሬሳ ዝተሰከሙ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ምስ ላቲቭያ ዘዳውብ ዞባ ብራስላቭ ከም ዝረኸቡ ማዕከን ዜና ኤስ ቢ ኣቓሊሓ። እቶም ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ ዝተረኸቡ ብተርጐምቲ ተሓጊዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ላቲቭያ'ኳ ኣትዮም እንተ ነበሩ፡ ኣብ ላቲቭያ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝገበሩ...
ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ብዛዕባ ዘለዉ ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ዛጊት እንታይ ንፈልጥ?
ስሪላንካ፡ ብ7 ሕዳር 2024 ናብ ግዝኣታዊ ማያት ኤርትራ ጥሒሰን ብምእታወን ብብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ዜጋታታ ንምፍታሕ ዝገበረቶ ጻዕሪ ከም ዘይሰመረላ 'ዘ ኣይላንድ' ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ ዜጋታቱ ንምፍታሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ኤርትራን ኤምባሲታትን ጻዕሪታት ይገብር ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ካብ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ዝረኸቦ ሓበሬታ የነጽር። እቶም ስሪላንካውያን ሰራሕተኛታት ናይቲ ካስፒያን ቢ.ቪ ዝተባህለ...
ጃልባ ብምግልባጣ ብዙሓት ስደተኛታት ሃለዋቶም ተሳኢኑ
ኣስታት 35 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፐዱሳ ተገልቢጣ። ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ሬሳ ናይ ሓደ ሰብ ከምኡ'ውን 11 ሰባት ብህይወቶም ክርከቡ እንከለዉ ናይቶም ዝተረፉ ሃለዋት ክፍልጥ ከምዘይተኻኣለ ቤት ጽሕፈት ዩኒሴፍ ኣብ ጣልያን ትማሊ ሰንበት ምሕባሩ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ኣብቲ ብዓርቢ ብሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፐዱሳ ዝተኻየደ ስርሒት ህይወት ኣድሕን በይኖም ዝጉዓዙ ዝነበሩ ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከብዎም 11 ስደተኛታት ብህይወት ከምዝደሓኑን ሬሳ ናይ...
ኣዝማች ገብረሚካኤል ግርሙ፡ ኣበርክቶኦም ዓቢይ ክንሱ ታሪኾም ተጐስዩ ዝተረፈ ጐብለል
ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓያለ ክኢላታት፡ ለባማት፡ ጀጋኑ፡ ቅድሚ ግዜኦም ሰጒሞም ዝነበሩ ሰባት ኣፍርዩ ክነሱ ታሪኾም ግን ብግቡእ ኣይተነግረን። ሓደ ካብኦም ጸሓፊ ታሪኽ ገብረሚካኤል ግርሙ ዘበራቒት'ዮም። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ መብዛሕትኦም ክርስትያን 'ሕብረት' ክጠልቡ፡ ኣስላም ኣቦታት ከኣ ንናጽነት'ዮም ተቓሊሶም። እዚ ታሪኽ ግን ታሪኽ ስለ ዝዀነ'ምበር ምእንቲ ፖለቲካ ክጥምዘዝ ኣይግባእን። ኵሉ በቲ ሓቂ'ቲ - ንናጽነት ደው ዝበሉን ንሕብረት ዝተቓለሱን ነይሮምና ኢልና በቲ ናይ ሓቂ መልክዑ ክግለጽ...


























