The Red Sea Council Egypt Wants Would Lock Out America
When Egyptian Foreign Minister Badr Abdelatty stood alongside his Eritrean counterpart Osman Saleh in Cairo this week and demanded rapid activation of the Red Sea and Gulf of Aden Council, the...
Latest releases
'ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር' - ሓጺር ገምጋም መጽሓፍ
ኣብ ጥሪ 2026 ናብ ኣንበብቲ ዝተዘርግሐት "ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር" እትብል መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣብ ኤርትራ ንዝመጽእ ለውጢ ኣብ ደሞክራሲያዊ ስግግር ከም መወከሲት ሰነድ ክትውሰድ እትኽእል ስራሕ'ያ። ሰመረ ሰሎሞን ኣብ 2024'ውን "ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነትን ዝተጠልመ መብጽዓን" እትብል መጽሓፍ (ብእንግሊዘኛን ትግርኛን) ናብ ኣንበብቲ ዘርጊሑ ምስ ምንባሩ፡ እዚኣ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ኣተኵሮን ግን ከኣ ካብታ ዝቐደመት ብዛዕባን ቀንዲ ቴማታትን ዝተሳገረት መጽሓፍ'ያ።
ዑደት መራሕቲ ጅቡትን ሶማልያን ናብ ኢትዮጵያ እንታይ ዝዓለመ እዩ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንፕረዚደንት ጁቡቲ ዑመር ገለ ከምኡ'ውን ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ጅግጅጋ ከም ዝተቐበሎም መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን። እዚ ርክብ ናይ ሰለስተኦም መራሕቲ፡ "ንዞባዊ ምትሕብባር፡ ሓባራዊ ስኒትን ተወፋይነትን ዘጕልሕ ሓያል ምልክት ምትሕግጋዝ፡" ምዃኑ...
ጀርመን፡ ሞይቱ ዝተረኽበ ወዲ 14 ዓመት 'ኤርትራዊ'
ኣብ ጀርመን ሓደ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ መንእሰይ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። ሬሳ ናይቲ ወዲ 14 ዓመት ኣብ ከባቢ ከተማ ዶርማኸን ብሓለፍቲ መንገዲ ከም ዝተረኽበ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ ፍሉጥ ማዕከን ዜና የመልክት። "ፖሊስ ከም ዝሓበሮ እቲ ወዲ 14 ዓመት ካብ ኤርትራ ዝመጸ እዩ:" ይብል እቲ ጸብጻብ። ስድራቤቱ ብዛዕባ ሞቱ ፈሊጦም ከምዘለዉ'ውን ሓያለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ። ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝብልዎ፡ እቲ 'ዮሴፍ' ዝተባህለ ኮተቴ፡...
የመን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘቕረበቶ ክሲ እንታይ እዩ?
ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል፡ ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት የመን ብትሪ ከም ዝዀነነን ክሲ ከም ዘቕረበን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን። ብመሰረት እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ኮምሽን፡ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ 50 ዝዀኑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ሓደ ክቕተል እንከሎ፡ ሓያለ ቈሲሎም ኣለዉ። ኤርትራ ማያዊ ግዝኣታ ብዘይፍቓድ ሰጊሮም ንዝኣትዉ "ገፈፍቲ ዓሳ" ይዅን ካልእ፣ የመናውያን ይዅን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከም እትኣስር ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝጥቀስ ዘሎ ጉዳይ ግን ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ የሎን። ...

























