ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ። ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ፡ ከም ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ጁቡቲን ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ነቲ ኵነታት ክጥቀማሉ ወይ ድማ ንዝመጽእ ለውጢ ንምምካት ጻዕርታት ይገብራ...
ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ኣብ ድርኲኺት ሓድሽ ኲናት ኣለዋ' ክብል ዓለማዊ ትካል ኣጠንቂቝ
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምሕዝነት ናብ ሓድሕዳዊ ምጥርጣርን ወተሃደራዊ ምትፍናንን ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ሓደጋ ዞባዊ ኲናት ኣጋጢምዋ ኣሎ፡ ክብል ዓለምለኻዊ ትካል መጽናዕቲ ቅልውላዋት ኣጠንቂቝ። ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ (ICG) ብረቡዕ 18...
'ሞት ምሓሸኒ፡ ጕዕዞ ሲኦል'ዩ ነይሩ' - ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ
ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ብሊብያ ዝሓልፉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡ ግዱድ ጾታዊ ንግድን ምስርጣይን ይዀኑ ከም ዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝበጽሕ "ርህራሀ ዘይብሉን ስልታውን ግህሰት መሰላት፡" መብዛሕትኡ ግዜ "በቶም ምስ ሰብመዚ ሊብያ ርክብ ዘለዎም፡" ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝፍጸም ዘሎ እዩ ኢሉ። ቤትጽሕፈት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታትን ልኡኽ ድጋፍ ሊብያን፡ ብ17 ለካቲት 2026 ብሓባር ኣብ...
ዑደት ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራን ዞባዊ ኵነታትን
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸሪጂ ብሓሙስ 12 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ኣስመራ ብምእታው ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጸን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዑደት ናይቲ ብምክትል ምኒስተር፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምዕማቝ፡ ኣብ ዞባውያን ዓለማውያን ጉዳያት ሓባራዊ ራእይ ብምዅስኳስ ዝያዳ ምምዕባሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝገለጸሉ ወሲኸን ይገልጻ። ...

























