ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ዳንካልያ ንመሸጣ ኣይወረደትን — ክትከላኸለላ ዝግባእ መሬት’ያ
ደንካልያ ኣብ ካርታ እትርከብ ዞባ ጥራሕ ኣይኮነትን፤ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተቐርጸት ህያው ዝኽሪ ኮይና፡ ንፋስ ካብ ዶባት ዝዓበዩ ዛንታታት ዝተሰከመት፡ ህዝቢ ዓፋር ንዘመናት ብኽብርን ትብዓትን ዘይንቕነቕ ተኣማንነትን ዝነብረላ ቦታ እያ። ጨው ዝበዝሓ: ጽፍሓ ከም መስትያት ናብ ሰማይ ይንጸባረቕ፣ እሳተ ጎመራ ዝበዝሖ ኣኽራናታ ከም ጥንታውያን ሓለውቲ የንቃዕርር፣ ገማግም ባሕሪ ማያታ ድማ ንባሕሪ ከም ስድራቤቶም ዝፈልጥዎ ወለዶታት ይምግቦም። እዛ መሬት እዚኣ ንህዝባ ቀሪጻቶ፡ ህዝባ ድማ ንኤርትራ ቀሪጽዋ’ዩ። ህዝቢ ዓፈር ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እግረ ጽሑፍ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም ድማ ሓለውታ እዮም። መግዛእታዊ መራኽብ ክቐርባ ከለዋ ንባሕሪ ይዕዘቡን ብረታዊ ቃልሲ መስዋእቲ ክሓትት ከሎ ድማ ንደቡባዊ...
ሽወደን፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ምወላ መንግስቲ ተኸልኪላ
ኣብ ሽወደን ዝመደበራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስቲ ሽወደን ምውላ ከምዘይትረክብ ተገሊጹ። ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ሽወደን፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ከምዘለዋን፡ እዚ ድማ ኣብ ሽወደን መሰረታዊ መሰላት ናይ ምግሃስ ሓደጋ ከምዘለዎን ድሕሪ ምጥንቃቑ'ዩ ሰብመዚ ነዚ ውሳነ ወሲዶም ዘለዉ። በዓል መዚ ደገፍ ንሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት (SST) ፡ እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ርእይቶ ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ዝተመርኮሰ ምዃኑ ዳይረክተርን ሓላፊን SST ኣይዛክ ራይቸል ተዛሪቡ። ብመሰረት...
ኤርትራ፡ ናብ ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ተመሊሳ
ኤርትራ ብፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ዓለም - ፊፋ፡ ኣብ ደረጃ ሃገራት ዘይተሰርዐት'ኳ እንተኾነት ኣብ ቅድመ መጻረዪ ውድድራት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2027 (ኣፍኮን) ክትሳተፍ ምዃና ግን ተፈሊጡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ኣብ ዝተዘርግሐ፡ ዓመታዊ ዝወጽእ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ዘመልክት ዝርዝር፡ ፊፋ ኣብቲ ዓመት ን210 ሃገራት ኣብ ዝሰርዓሉ፡ ኤርትራ ጥራይ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ውድድር ስለ ዘየካየደት ደረጃ ኣይተዋህባን፡" ብዝብል ካብቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት መርበብ ሓበሬታ ፊፋ ሓቢሩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተዛረበሉ 'ኣዋጃት ኲናት ማያት' ኢትዮጵያ እንታይ'ዩ?
ኤርትራ ናብቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝጋዋሕ ዘሎ 'ኣዋጃት ኲናት ማያት' ክትዕደም ከምዘይትደሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ። ኣዲስ ኣበባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ፕሮፖጋንዳዊን ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነት ኤርትራ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ እንታይ ምዃኑ ምስተሓተተ፡ "ንመዳመቒ ዝቐርብ'ዩ" ክብል ኣነኣኢስዎ።,"ኣዋጅ ኲናት ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ናይ ማያት ናይ ካልእ ዝብሃል መዳመቒ ዝቐርብ'ዩ። "እዚ ኲናት'ዚ ዘይተኣወጀሉ የለን። ኲናት ናይ ማያት ኢልካ ምእዋጅ፡ ንመን? ንዓና...

























