ኤርትራ፡ 'ግዓት' ኣብ ዝርዝር ባህላዊ ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ ትዳሎ
ኤርትራ፡ ነቲ ብወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርስታታ ንምዕቃብን ኣብ ዓለምለኻዊ መዝገብ ንምስፋርን ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕማ ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ መርበብ ሓበሬታ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ምድላው "ግዓት"...
Latest releases
መንግስቲ ኤርትራ ምስ እምነት ብዝተኣሳሰር ንዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ 98 ሰባት ፈቲሑ
ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 98 ሰዓብቲ ዝተኣገዳ ኣብያተ ክርስትያን ከምዝተፈትሑ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ካብቶም ብሓሙስ ብዋሕስ ዝተፈትሑ 36 ኣመንቲ እተን 20 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ኣብ ኣስመራን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ቤተሰብ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ሓያሎ ካብቶም ዝተፈትሑ እሱራት ንኣስታት 5 ዓመት ኣብቲ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ክስን ንቡር መስርሕ ቤት ፍርድን ተኣሲሮም ዝጸንሑ እዮም። ትማሊ'ውን 17 ሰባት ካብ ቀይዲ...
ኣመሪካ፡ 10 ኤርትራውያን ኣብ ዝርዝር "ሓደገኛ ገበነኛታት" ተረቚሖም
ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ጉዳያት ኢሚግሬሽን ሃገሩ ጽኑዕ ስጕምቲታት ኣብ ዝወስደሉ ዘሎ እዋን፡ ክፍሊ ድሕነት ሃገር ኣመሪካ፡ ናይቶም "ኣዝዮም ዝኸፍኡ ገበነኛታት ዜጋታት ወጻኢ፡" ዝበሎም ስም ዝርዝርን ስእሊን ኣውጺኡ። ካብ'ቶም ብኢሚግሬሽንን ኣኽበርቲ ጉምርክን (ICE) ስሞም ዝወጽአ ሓያሎ ሰባት፡ ኣብ መንጎኦም 10 ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ኰይኖም፡ ውዒሎሞ ዝተባህለ ገበናትን ኣበየናይ ግዝኣት ከም ዝተፈጸመን ዘጠቓልል እዩ። እቶም ኤርትራውያን ብጾታዊ ምዝመዛ ትሕቲ-ዕድመ፡...
ኢጋድ ኤርትራ ንዝወሰደቶ ውሳነ ምስሓብ ኣባልነት ግብረመልሲ ሂቡሉ
ኤርትራ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣባልነታ ከምዝሰሓበት ምፍላጣ ከምዘሕዘኖ እቲ ውደብ ገሊጹ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ውድብ "ንኣባላት ሃገራት፡ ብፍላይ ንኤርትራ ዒላማ ንምግባር መሳርሒ" ከምዝኾነ ብምኽሳስ "ሕጋዊ ሓላፍነት" ኣይፈጸመን ክብል ይወቅስ። "ኤርትራ፡ ካብቲ ውድብ ክትስሕብ ዝወሰደቶ ውሳነ ንዋና ጸሓፊ ኢጋድ ብወግዒ ኣፍሊጣቶ ኣላ" ይብል እቲ ካብ ኣስመራ ዝወጸ መግለጺ። ሎሚ ኣማስያኡ ግብረመልሲ ዝሃበ ኢጋድ ብወገኑ፡ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት...
መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣቓልቦ ዝሰሓበ 'ዝተመሓየሸ' ስእሊ ሚኒስተር ዑስማንን
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ የካይድ ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ ኣብ እርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ መራሒ ኤርትራ ምስ ወራስ-ዘውዲ ንግስነትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ ብዛዕባ ዞባዊን ክልተኣዊን ጉዳያት ተዘራሪቡ ከምዘሎ ብወገን ኣስመራን ሪያድን ዝወጸ ጸብጻባት የመልክት። እቲ ብሰሉስ ካብ ሃገሩ ዝነቐለ ልኡኽ ኤርትራ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዘጠቓለለ ምዃኑ ብጽሑፍን ብስእልን ተሓቢሩ'ሎ። እንተኾነ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል...


























