ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣብ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ዳግማይ ውግእ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ብምእታው ክግስግሱ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝለብሶ "ቆጽለዋይ ሬንጀርን ሓመዳዊ ሬንጀርን" ዝተኸደኑ ወተሃደራት ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ንውሽጢ ክሓልፉ...
Latest releases
ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ 'ሚግ-23 እምበር ሚግ-21 ኣይነበረቶን'
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጽምብል ምስረታ መበል 90 ዓመት ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብስም ከይጠቐሰ፡ ኣብ "ሚግ-21 ደው ኢለን ዘለዋ ሃገራት..." ክብል ተሰሚዑ። እዚ ድማ ብቐጥታ ነታ ምስ ሃገሩ ኣብ ከቢድ ወጥሪ እትርከብ ኤርትራ ዘነጻጸረ እዩ ብምባል ኤርትራውያን ክቝጥዑን ዝተፈላለየ ግብረመልሲ ክህብሉን ይስምዑ ኣለዉ። ቢቢሲ ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ ዳህሳስ ብምግባርን ንሓደ ንኣስታት 20 ዓመታት ካፕተን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኰይኑ ዘገልገለን ኤርትራዊ ኣዘራሪቡ'ሎ። ...
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ሓምሻይ ወለዶ ማለት፡ ዘመናዊ ናይ ውግእ ዓቕምን ምዕቡላት ኣጽዋራትን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዘረባኡ፡ ኵነታት ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብምግላጽ፡ ነታ ሃገር ንዝፈታተኑ ንዝበሎም ሓይልታት ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኢትዮጵያ ልዑላውነታን...
ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ዕሉል ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ዝለዓለ ፍርዲ ተቐቢሉ
ብጐነጻዊ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት 20 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደ ማዕከናት ዜና ነዘርላንድስ (ሆላንድ) ሓቢረን። እቲ 'ወሊድ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ተወልደ ጐይትኦም መራሕቲ ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት ዝፈጸመ ዕስለ ኣሰጋገርቲ ምዃኑ'ዮም ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ዝገልጹ። ብዘይካ'ዚ፡ ንገለ ካብቶም ግዳያት 30,000 ዩሮ ክኸፍል ተወሲንሉ ኣሎ። "እዚ ተኸሳሲን ተሓባበርቱን ኣብ ልዕሊ'ቶም ስደተኛታት ዝፈጸምዎ ፍሉይ ጭካነ፡ ጐነጽን ክብሪ ዝግህስ...
ኣብይ፡ ንኤርትራ ብስም ከይጠቐሰ 'ኣብ ግዜ ተዓኒዳ ዘላ ሃገር' ክብል ገሊጹ
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተሪር መጥቃዕቲ ቃላት ብምፍጻም፡ ክሳብ ሕጂ ነተን ግዜአን ዝሓለፈን ሚግ-21 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ እትውንን ሃገር ምዃና ብምግላጽ፡ ነታ ዝተራቐቓ SU-30 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ዝዓጠቐት ሃገሩ ክትደፍር ክትሓስብ ከምዘይብላ ኣጠንቂቑ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብ 24 ጥሪ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስምዖ ብተለቪዥን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ዝተፈነወ መደረኡ፡ ኢትዮጵያ...


























