Isaias’s Cairo Visits and the Seasonal Architecture of Crisis in the Horn
Strategic convergence in the Horn of Africa is too often misread through the narrow grammar of formal alliances, as though coordination must announce itself through treaties, communiqués, or...
Latest releases
ኲናት ኢራን፡ ዋጋ ቢራን ዕሹግ ማይን ክኸብር ከም ዝገብር ትፈልጡ ዶ?
ኣብ ዕዳጋ ኣብ ዝቐርብ ዕሹግ ማይ ጽግዕተኛ ምዃን ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት እዩ ዝሓትት። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝርከቡ ሰባት ዝኸበደ ይኸዉን። ግን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ህንዲ ብፍላይ ኣብ ሓጋይ ብሰንኪ ሕጽረት ማይ፡ ብከላ ማይ ትሕተ-ምድሪን ክፍተት ትሕተ-ቅርጽን ዝኣመሰሉ ምኽንያታት ተበጻሕነት ጽሩይ ዝስተ ማይ ብድሆ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ብመሰረት መጽናዕቲ ዳታ ፎር ህንዲ፡ ኣስታት 15% ካብ ነበርቲ ከተማን 6% ካብ ነበርቲ ገጠርን፡ ንመስተ ዝውዕል ማይ ካብ ዕዳጋ ወይ ዝተዓሸገ ፕላስቲክ እዮም...
ኢማራት ኣብ ኲናት ምጽማዳን ሑቲ ናብቲ ኲናት ምጽንባሩን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ይጸልዎ?
ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መበል 35 መዓልቲ በጺሑ ኣሎ። ዓለም ብሕጽረት ነዳዲ ትፍተን ኣላ። ክሳዕ ሕጂ ኣስቂጦም ዝጸንሑ ዕጡቓት ሑቲ፡ ናብ እስራኤል ሚሳይላት ብምትኳስ ናብቲ ውግእ ተጸንቢሮም ኣለዉ። ዛጊት ክልተ ሚሳይላት ጥራሕ እኳ እንተ ተተኰሱ፡ ባብ ኤል-መንደብ ከም መጻብቦ ሆርሙዝ ክዕጾ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣልዒሎም ይርከቡ። ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ምስታፎም፡ ኪንዮ የመን ዝዝርጋሕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ሰፊሕ ጽልዋ ኣለዎ። ...
ዓሊ ሱሌማን ዝደመቐሉ ግጥም ኤርትራን ኢስዋቲንን
ኤርትራ፡ ኣብ ቅድመ መጻረዪ ግጥማት ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝእንገድ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኤስዋቲኒ ብድምር 4ብ1 ረቲዓታ።ኣብ ላዕለዋይ ዲቪዥን ግብጺ ምስ ካህራባ [ኤለክትሪክ] እስማዒልያ ተሰሊፉ ዝጻወት ኣጥቃዓያ ዓሊ ሱሌማን፡ ኣብ ክልተ እግሪ 3 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኮኾብ ኰይኑ ደሚቑ።ብመምዘኒታት ዓለምለኸዊ ደረጃ ኵዕሶ እግሪ ዝጸደቐ ስታድዩም ብዘይምህላዉ፡ እታ ብኣግማል ቀይሕ ባሕሪ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ፡ እቲ ኣብ ሃገራ ከተአንግዶ ዝግባእ ጸወታ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ...
ኤርትራ ድርብ ዓወት ብምጉንጻፍ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ምስ ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ካልኣይ እግሪ ግጥም 2 ብ 1 ተዓዊታ። ኤርትራ ብኣጥቃዓይ ዓሊ ሱሌማን ብዘመዝገበትን ሸቶታት'ያ ነዚ ድርብ ዓወት ክትሓፍስ በቒዓ ዘላ። እቲ ምስ ግብጻዊት ክለብ ኤለክትሪክ ዝጻወት ዓሊ፡ ሎሚ'ውን ኣብ መበል 50 ከምኡ'ውን ኣብ 57 ደቓይቕ ወሰንቲ ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ሎ። ምዱብ ግዜ ተወዲኡ ተወሳኺ ደቓይቕ ምስተዋህበ ኢስዋቲኒ ብዝተረፎም ናይ መወዳእታ ጸዓት ሓንቲ ሸቶ ከመዝግቡ'ኳ እንተኽኣሉ፡ ንደገፍቶም ካብ ምሕጓስ ትሓልፍ...

























