ዓዲ እንግሊዝ፡ ንሞት ሓደ ኤርትራዊ 'ኢድ ዝሓወሱ' ክልተ ኤርትራውያን እንታይ ተፈሪዶም?
ኣብ በርሚንግሃም ሃገረ እንግሊዝ፡ "ምኽንያት ሞት ሓደ ካልእ ኤርትራዊ እዮም" ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ብሰሉስ 5 ግንቦት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቶም ተኸሰስቲ ስምኦን ገብረንጉስ ዝተባህለ ወዲ 44 ዓመት፡ ቢቢ ጊላዝጊን ወዲ 31 ዓመት መንእሰይን ኰይኖም፡ ኣብ ኣማውታ ናይቲ ወዲ 33 ዓመት ዝዀነ ብርሃነ...
Latest releases
የመን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘቕረበቶ ክሲ እንታይ እዩ?
ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል፡ ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት የመን ብትሪ ከም ዝዀነነን ክሲ ከም ዘቕረበን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን። ብመሰረት እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ኮምሽን፡ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ 50 ዝዀኑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ሓደ ክቕተል እንከሎ፡ ሓያለ ቈሲሎም ኣለዉ። ኤርትራ ማያዊ ግዝኣታ ብዘይፍቓድ ሰጊሮም ንዝኣትዉ "ገፈፍቲ ዓሳ" ይዅን ካልእ፣ የመናውያን ይዅን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከም እትኣስር ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝጥቀስ ዘሎ ጉዳይ ግን ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ የሎን። ...
ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ 'ሚግ-23 እምበር ሚግ-21 ኣይነበረቶን'
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጽምብል ምስረታ መበል 90 ዓመት ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብስም ከይጠቐሰ፡ ኣብ "ሚግ-21 ደው ኢለን ዘለዋ ሃገራት..." ክብል ተሰሚዑ። እዚ ድማ ብቐጥታ ነታ ምስ ሃገሩ ኣብ ከቢድ ወጥሪ እትርከብ ኤርትራ ዘነጻጸረ እዩ ብምባል ኤርትራውያን ክቝጥዑን ዝተፈላለየ ግብረመልሲ ክህብሉን ይስምዑ ኣለዉ። ቢቢሲ ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ ዳህሳስ ብምግባርን ንሓደ ንኣስታት 20 ዓመታት ካፕተን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኰይኑ ዘገልገለን ኤርትራዊ ኣዘራሪቡ'ሎ። ...
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ሓምሻይ ወለዶ ማለት፡ ዘመናዊ ናይ ውግእ ዓቕምን ምዕቡላት ኣጽዋራትን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዘረባኡ፡ ኵነታት ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብምግላጽ፡ ነታ ሃገር ንዝፈታተኑ ንዝበሎም ሓይልታት ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኢትዮጵያ ልዑላውነታን...
ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ዕሉል ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ዝለዓለ ፍርዲ ተቐቢሉ
ብጐነጻዊ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት 20 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደ ማዕከናት ዜና ነዘርላንድስ (ሆላንድ) ሓቢረን። እቲ 'ወሊድ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ተወልደ ጐይትኦም መራሕቲ ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት ዝፈጸመ ዕስለ ኣሰጋገርቲ ምዃኑ'ዮም ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ዝገልጹ። ብዘይካ'ዚ፡ ንገለ ካብቶም ግዳያት 30,000 ዩሮ ክኸፍል ተወሲንሉ ኣሎ። "እዚ ተኸሳሲን ተሓባበርቱን ኣብ ልዕሊ'ቶም ስደተኛታት ዝፈጸምዎ ፍሉይ ጭካነ፡ ጐነጽን ክብሪ ዝግህስ...


























