ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ ንማያት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ሞካን ዙቑርን ተቘጻጺሩ
ሑቲ የመን፡ ንማያዊ ዶባት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ስትራተጅያዊ ወደባዊት ከተማ ሞካን ደሴት ዙቑርን፡ ካብቶም ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ መንዚዖም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉዋ ወተሃደራውያን ምንጭታትን መሰኻኽር ዓይንን ሓቢሮም። እዚ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ንኸተማ ሞካ...
Latest releases
ኤርትራ፡ 'ኢትዮጵያ ተቕርቦ ዘላ ክሲ ምስግጋር ኣጽዋር፡ መመኽነይታ ንኲናት እዩ'
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ዘቕረቦ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክጅምሮ ዝደሊ ዘሎ ኲናት ንመመሳመሲ ዘቕርቦ ዘሎ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ። እቲ ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ከም ዝመልክቶ፡ "ምስ ውሽጣውያን ጕጅለታትን ታሪኻውያን ጸላእቲ ብምትሕብባር" ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ምዃኑ ዝገለጾ ኣስታት 56ሽሕ ጠያይት ከም ዝሓዘ ዝሕብር እዩ ነይሩ። ኣብቲ...
ኢትዮጵያ ንኤርትራን ህወሓትን ጠያይት ናብ ፋኖ ብምስግጋር ከሲሳ - ዝተዋህበ ምላሽ ከ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ከሲሱ። እቲ ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ ከም ዝመልክቶ፡ "ምስ ውሽጣውያን ጕጅለታትን ታሪኻውያን ጸላእቲ ብምትሕብባር" ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ምዃኑ ዝገለጾ ኣስታት 56ሽሕ ጠያይት ከም ዝሓዘ ኣፍሊጡ። እዚ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ወጥሪ እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ ዝስማዕ ዘሎ ክሲ ኰይኑ፡ እቲ ኣብዚ ክሲ ተጠቒሱ ዘሎ "ታሪኻዊ ጸላኢ" ግን ብንጹር...
ዳንካልያ ንመሸጣ ኣይወረደትን — ክትከላኸለላ ዝግባእ መሬት’ያ
ደንካልያ ኣብ ካርታ እትርከብ ዞባ ጥራሕ ኣይኮነትን፤ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተቐርጸት ህያው ዝኽሪ ኮይና፡ ንፋስ ካብ ዶባት ዝዓበዩ ዛንታታት ዝተሰከመት፡ ህዝቢ ዓፋር ንዘመናት ብኽብርን ትብዓትን ዘይንቕነቕ ተኣማንነትን ዝነብረላ ቦታ እያ። ጨው ዝበዝሓ: ጽፍሓ ከም መስትያት ናብ ሰማይ ይንጸባረቕ፣ እሳተ ጎመራ ዝበዝሖ ኣኽራናታ ከም ጥንታውያን ሓለውቲ የንቃዕርር፣ ገማግም ባሕሪ ማያታ ድማ ንባሕሪ ከም ስድራቤቶም ዝፈልጥዎ ወለዶታት ይምግቦም። እዛ መሬት እዚኣ ንህዝባ ቀሪጻቶ፡ ህዝባ ድማ ንኤርትራ ቀሪጽዋ’ዩ። ህዝቢ ዓፈር ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እግረ ጽሑፍ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም ድማ ሓለውታ እዮም። መግዛእታዊ መራኽብ ክቐርባ ከለዋ ንባሕሪ ይዕዘቡን ብረታዊ ቃልሲ መስዋእቲ ክሓትት ከሎ ድማ ንደቡባዊ...
ሽወደን፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ምወላ መንግስቲ ተኸልኪላ
ኣብ ሽወደን ዝመደበራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስቲ ሽወደን ምውላ ከምዘይትረክብ ተገሊጹ። ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ሽወደን፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ከምዘለዋን፡ እዚ ድማ ኣብ ሽወደን መሰረታዊ መሰላት ናይ ምግሃስ ሓደጋ ከምዘለዎን ድሕሪ ምጥንቃቑ'ዩ ሰብመዚ ነዚ ውሳነ ወሲዶም ዘለዉ። በዓል መዚ ደገፍ ንሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት (SST) ፡ እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ርእይቶ ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ዝተመርኮሰ ምዃኑ ዳይረክተርን ሓላፊን SST ኣይዛክ ራይቸል ተዛሪቡ። ብመሰረት...























