ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ፍሉጥ ካርቱኒስታ ብንያም 'ኮብራ' ድሕሪ 15 ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ
ኣብ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብቲ ጋዜጣታት ብሕቲ ዓንቢበናሉ ዝነበራ 1997-2001 መድረኽ፡ ፍሉጥ ካርቱኒስታን ቀያዕን ዝነበረ መምህር ቢንያም ሰሎሞን ድሕሪ 15 ዓመታት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐ፡ ቤተሰቡን ፈለጥቱን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። እቲ 'ኮብራ' ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ስነጥበበኛ፡ 'እዋናዊ' ዛዕባታት ፖለቲካን ማሕበራዊ ህይወትን ዝትንክፉ፡ ነቐፍትን ኣዘናጋዕትን ኣዝዮም ብዙሓት ካርቱናት ኣፍርዩ። ነቶም ስራሕቱ ከኣ ኣብ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ደሓር ድማ ኣብ መጽሓፍቲ ጠርኒፉ ከም ዘሕተመ...
ኵናት ኢራን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ?
እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ብ28 ለካቲት 2026 ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈተኦ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሑዳት መዓልታት ንማእከላይ ምብራቕ ኣናዊጹዎ ኣሎ። እታ ናይዚ መጥቃዕቲ ቀንዲ ዕለማ ዝዀነት ኢራን፡ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒኣ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝርከቦም ሓያሎ ላዕለዎት ሓልፍቲ ክቕተሉዋ እንከለዉ፡ ንሳ'ውን ሕነ ሞት መራሕታ ንምፈዳይ፡ ናብ እስራኤልን መዓስከራት ኣመሪካ ናብ ዝርከበን ሓያሎ ጎረባብታ ሃገራት፡ መጥቃዕቲ ሚሳየልን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣካይዳ። እተን ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጐደና ምዕባለ ክሕንበባ ዝጸንሓ ከም...
'ትንሳኤ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ንምብሳር' ሓላፍነት ዝተረከበ ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ
ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ነታ ጋንታ ንምምዕባል ዝክኣሎ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተመዘዘ ግብጻዊ ኮሓ ሓሺም ያኪን፡ ድሮ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ኣሎ። ምስ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ነታ ካብ ኣገዳሲ ውድድራት በዂራ ዝጸንሐት ጋንታ ብምውዳብ ንቕድሚት ክትግስግስ ኣብ ምግባር ክሰርሕ ምዃኑ ከም ዝገለጸ ኣብ መንግስታዊት ተለቪዢን ኤሪ-ቲቪ ዝቐረበ ጸብጻብ ይጠቅስ። ...
ኢትዮጵያ፡ ካብ ቱርክን እስራኤልን ብሓቂ ምስ መን እያ ዘላ?
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዝፈጥሮ ዘሎ ወጥሪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ወጥሪ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ ተራ ቱርኪን እስራኤልን እንታይ እዩ? ናይ ቀረባ መሓዛ ኢትዮጵያ ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ባሕሪ ዘቕረበቶ ሕቶ "ትድግፍ" ምህላዋ'ዩ ዝግለጽ።

























