'ቀይሕ ባሕሪ ንኹለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኾነ ማያዊ ክፍሊ ዓለም ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለዝኾነ ጸጥታዊ ውሕስነቱ ክረጋገጽ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ። ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዘካየዶ ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዝተንከፈ ቃለመሕትት፡ ስትራተጂያዊ ንግዳዊ መስመር'ኳ እንተኾነ ቅድም ቀዳድም ሃገራት እቲ ዞባ ገማግም ባሕረን ከውሕሳ ኣለወን ኢሉ። እቲ ምስ መራሒ ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ንምዝርራብ ኣብ ካይሮ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወሽመጥ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ምጅማሩ ለውጢ ይህልዎ ዶ?
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብ5 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ካብ ሰሉስ 14 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ተገምጊሙ
ብ17 ለካቲት 2024 ኣብ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ኣብ መንጐ ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ዝወረደ ዕንወት ልዕሊ 700 ሽሕ ዩሮ ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ።
ኤርትራ ሕብረት ኣውሮጳ ዘንበረላ እገዳ ክናዋሕ ምውሳኑ ኰኒና
ኤርትራ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንዘንበረላ እገዳ እንደገና ከናውሖ ምውሳኑ ብትሪ ኰኒና።ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳን፡ በልጂም፡ ነዘርላንድን ላክሰንበርግን፡ ኣብ ብራስለስ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምንዋሕ ናይቲ እገዳታት "ዘይምኽኑይ ተጻብኦ ኣንጻር ኤርትራ'ዩ" ክብል ነቒፉ።
ኤርትራ፡ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለኣ ካበይ ናበይ?
ኣብ ኤርትራ ኣብ 40’ታት፡ 50’ታት፡ 60’ታት ዝነበረ ህይወት፡ ብሓፈሻዊ መልክዓቱ ምስ ዝልካዕ፡ ምስዚ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ህይወት ኣይመጣጠንን’ዩ ዝብሉ ብዙሓት ምሁራን ዜጋታት ኣለዉ።


























