ዩጋንዳ፡ ንስደተኛታት ዕድል ስራሕ ዝኸፍቱን ርእሰ ምርኰሳ ዘጣጥሑን ኤርትራውያን

ኣብ ዩጋንዳ፡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ስደተኛታት ኣለው።

እዚኦም፡ ብፖለቲካውን ቁጠባውን ምኽንያት ካብ ሃገሮም ዝተሰዱ ኰይኖም፡ እቶም ዝበዝሑ ናብ ካናዳን ኣመሪካን ንክኸዱ ብተስፋ ዝጽበዩ’ዮም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት፡ እቲ መስርሕ ብውሑድ ኣስታት ሰለስተ ዓመትን ልዕሊኡን ስለዝወስድ እቲ መገዲ ክሳብ ዝሰልጦም ዝበዝሑ ብሓዋላ ከም ዝናበሩ እዮም ዝገልጹ።

ሓያሎ ካብኣቶም ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይትን ናእሽቱን ትካላት ንግድ ተዋፊሮም ድራር ዕለቶም ይምእርሩ።

ገሊኦም ድማ፡ ዓቕሞምን ክእለቶምን ኣብ ዘዕብይሉ ብኤርትራውያን ዝቖመ ማእከል ስልጠናታትን ትምህርቲ ብምቕሳም ንመጻኢ ጉዕዞም ይዳለው።

ገሊኦም ብኤርትራዊት ሽወደናዊት ሜሮን እስቲፋኖስ ኣብ ዝቘመ ማእከል ቢትኮይን ኢኖቬሽንን ከምኡ እውን ሃይለኣብ ተወልደ ሰለሞን ኣብ ዝኸፈቶ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሲርዮንን’ዮም ዝመሃሩ።

ሲርዮን፡ ስልጠናታት ካሜራን ቪድዮን፣ ከምፒዩተር ፕሮግራሚንግ ካልኦትን ዝወሃበሉ ማእከል ኰይኑ፡ ሃይለኣብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ብውሑድ ዓቕምን ናውትን ካሜራን ኮምፒዩተርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘበገሶ እዩ።

ብ2021 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ካብ ኤርትራ ዝወጽአት ህያብ ገብረትንስአ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እቲ ትካል ዘሰልጠኖምን ኣብዚ ሕጂ እዋን መምህርን ኣካያዲት ስራሕን እቲ ማእከል ክትከውን ዝበቕዐትን’ያ።

ጓል 20 ዓመት ህያብ፡ መጀመርታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወት ንኣስታት ሓደ ዓመት ብዘይ ስራሕን ትምህርትን ኰፍ ኢላ ከም ዝነበረት ትዛረብ።

ድሕሪኡ፡ “ዝዀነ ትምህርቲ ክመሃር ኣለኒ ኢለ ወሲነ። ኣብ ሲርዮን መሰረታዊ ኮምፒዩተር ከምኡ’ውን፡ ኤዲቲንን ካሜራ ግራፊክስን ተማሂረ። ናብ ካልእ ሃገር ክኸይድ’የ ዝጽበ፤ ግን ከኣ ኣብኡ ናይ ስደተኛ ወረቐት ስለ ዘይነበረኒ ናብ ካምፓላ መጺአ” ትብል።

ቅድሚ ኣብዚ ማእከል ተቘጺራ ስራሕ ምጅማራ፡ ኣብ ካምፖላ ንኣስታት ትሸዓተ ኣዋርሕ ካብ ስራሕ በዂራ ከም ዝነበረት እትገልጽ ህያብ፡ ሓሓሊፉ ብኦንላይን ኤዲቲንግን ግራፊክስን ትምህር ምንባራ ገሊጻ።

ኣብርሃም ስብሃትለኣብ ድማ፡ ኣብቲ ማእከል ኤዲቲን፡ ግራፊክስን ካሜራን ክመሃር ረኺብናዮ። ናብታ ሃገር ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሞያዊ ስልጠና ክረኽበሎም ዝኽእል ዕድላት ብምንዳይ ናብ ሲርዮን ምምጽኡ ይዛረብ።

ንሱ፡ ኣብታ ሃገር ክሳብ ዘሎ፡ “ንርእሰ ምርኰሳ ገለ ነገር ክመሃር ኣለኒ ኢለ’የ መጺአ” ኢሉ።

ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ጭውያ፣ ማእሰርትን ሕሰምን ጠጠው ንክብል ክትሰርሕ ዝጸንሐት ጋዜጠኛን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን ሜሮን እስቲፋኖስ ብወገና ኣብ ካምፓላ ማእከል ቢትኮይን ኢኖቬሽንን ከፊታ ትሰርሕ ኣላ።

“ኣብዚ፡ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ክሳብ ናብ ካልእ ሃገር ዳግም ዝጣየሱ ኰፍ ኢሎም’ዮም ግዜኦም ዘሕልፉዎ። እቲ ዝበዝሐ ገንዘብ ካብ ደገ እናተቐበለ ደቂሱ ክውዕል ወይ ንግዝኡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፣ እንዳ ሻሂን ባራትን ከሕልፎ ኢኻ እትርኢ። እቲ ኣዝዩ ዝተሸገረ ከኣ፡ ኣብ ኣፍ- ደገ ቤተ-ክርስቲያናት ክልምን ትርእዮ። እቲ ጠንቂ ከኣ ስደት’ዩ” ትብል።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ስደተኛታት ኣብ ዘለውዎ ኰይኖም ሞያ ክመልኩን ዕድላት ስራሕ ክፈጥሩን ባይታ ንምጥጣሕ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ሞያ ስልጠናታት ዝህብ ማእከል ከተቑውም ከም ዝወሰነት ንቢቢሲ ገሊጻ።

ንሳ፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ሰሃራን ሲናይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥም ጭውያን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን ኣብ ምቅላዕን ግንዛበ ምዕባይን ክትነጥፍ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

“ናብ ሊብያን ካልእን ምኻድ ህይወት ዘኽፍለካ ስደት’ዩ፤ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሊብያ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ግዜ ዘይተሸጠ ስደተኛ የለን። ብውሑድ ሰለስተ ግዜ ዘይተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ የላን። ካብ 2017 ኣትሒዙ መገዲታት ይዕጾ ስለ ዘሎ ድማ፡ ብዙሕ ሓደጋታት’ዩ ዘሎ። ስለዚ ኣብዚ ኰይኖም ንእሽቶ ክእለት እንተጥርዮም፡ ኣብዚ ክነብሩ ይኽእሉ’ዮም” ዝብል እምነት ኣለዋ።

እቶም ስደተኛታት፡ ካብ ሰብ ከይተጸበዩ ነብሶም ክኢሎም ንኪነብሩ ስልጠናታት ክረኽቡ ኣለዎም እትብል ሜሮን፡ ካብዚ ናብ ካልእ ሃገር ክሰጋገሩ እንከለው’ውን ሞያ ሒዞምን ቋንቋ መሊዀምን ክኸዱ ከም ዝምረጽ ተረድእ።

ኣብ ማእከል ቢትኮይን ኢኖቬሽን፡ ኣብ ሓዋላ ዘለው ጸገማት ምፍታሕ የኽእል’ዩ ዝበለቶ ስልጠናታት ቢትኮይን ፋይናንሲንግ ሓዊሱ፡ ስልጠናታት፡ ስፌት፣ ቅዲ ዓለባን ቦርሳን፣ ጽባቐ፣ ምድላው መግቢ፣ ስራሕቲ ዕንጸይትን ኮምፒዩተርን ከም ዝወሃብ ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።

እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስርሑ ካብ ዝጅምር ንድሓር፡ ንበይነን ደቀን ዘዕብያ፡ ናይ ደገ ሓገዝ ዘይብለን ኣዴታት ናይ ስፌት ዓለባን ካልእን ስልጠና ብምሃብ ብኦንላይን ዕዳጋታት ዝረኽባሉ ኵነታት ንምፍጣር ከም ዝተጻዕረ’ውን ሓቢሩ።

‘ከይከፈሉኒ ዝመርሃኩዎም ብዙሓት’ዮም’

መስራቲ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሲርዮን ሃይለኣብ ተወልደ ሰሎሞን፡ ብዙሕ መስገደላት ሰጊሮም ንነብሶም ካብ ዝዀኑ መንእሰያት ሓደ’ዩ።

ንሱ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተሰጐጕ ስድራቤታት ኰይኑ፡ ተመሃራይ ሻምናይ ክፍሊ እንከሎ ኣትሒዙ ናይ ካሜራን ኤዲቲንግን ክእለት ከም ዘማዕበለ ይዛረብ።

ኣብ ኣስመራ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ፖሊ ቴክ ንኣስታት 11 ዓመታት ምሂሩ። ኣብ ካልኦት ማእከላት ስልጠና’ውን ይምህር ነይሩ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብስደት ካብ ሃገሩ ምስ ወጽአ ድማ፡ ቤት ትምህርቲ ክኸፍት’ኳ መደብ እንተዘይነበሮ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ መሓዝኡ ካሜራ ተለቂሑ ንሓሙሽተ ሰባት ብምስልጣን ከም ዝጀመሮ ይዛረብ።

“ካብቶም ተመሃሮይ፡ ‘ኣብ ትምህርቲ ግዜኻ ምሕላፍ ክንደይ ይጥዕም?’ ኢሉ ምሳይ ዝተሳእሎ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ምስ ጠቅዐ ሰባት ምምጽአይ ክፈልጡ ጀሚሮም። ብኡ ኣቢሎም ብዙሓት ተመሃሮ ክመጽኡኒ ጀሚሮም፤ ዘይሓሰብኩዎ 25 ተመሃሮ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ተመዝጊቦም” ብምባል ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ክምህር ከም ዝጀመረ ገሊጹ።

ዋና ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሲርዮን ሃይለኣብ ተወልደ
መግለጺ ስእሊ,ዋና ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሲርዮን ሃይለኣብ ተወልደ

እዚ፡ ብውሑድ ዓቕምን ሓይሊ ሰብን ዝጀመረ ስራሕቲ ሕጂ ኣብ ካምፓላ ናብ ሓደ ምእዙን ማእከል ዓብዪ፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት እዘን ሃገራት ዝዀኑ ስልጠናታት ኦድዮ ቪዥዋል፡ (ምስልን ደረቕ ስእልን)፣ ቪድዮ ኤዲቲንግ፡ ግራፊክስ፣ መሰረታዊ ፍልጠት ኮምፒዩተር ሓዊሱ ፕሮግራሚንግ ኔትዎርኪንግ ዝርከቦም ስልጠናታት ይህብ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ሞያዊ ስነ-ምግባርን ርእሰ ተኣማንነት ዘዕብይሉን ሓገዛት ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ምትእስሳር ከም ዝግበረሎም መስራቲ እቲ ማእከል ሃይለኣብ ኣመልኪቱ።

“ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዘይብሎም መጺኦም ንክመሃሩ ዕድላት ነመቻችኣሎም ኢና። እቲ ኣገዳሲ ዕላማ ዝዀነ ሰብ ነብሱ ክኢሉ ንክነብር፤ ስድራኡ ንክኣሊ ንምግባር’ዩ። ዓሰርተ ሰባት ትምህር እንተሃሊኻ ነቶም ሰለስተ ብናጻ እንተምሂርካ ኣይትጕዳእን።

"ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ገንዘብ ጸገም ዘለዎም ከይከፈሉኒ ዝመሃሩ ነይሮም፤ እቲ ዘሐጉሰኒ ግን እቶም ከይከፈሉ ዝተመሃሩ ብድልየት ስለ ዝመጽኡ ሰሪሖም ከፊሎምኒ’ዮም። እቲ ዝዓበየ ዕጋበት ግን ስራሕ ሒዞም ክርእዮም እንከለኹ’ዩ” ይብል።

ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሲርዮን፡ ኣስታት ሸውዓተ መምሃራን ዘለውዎ ኰይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ ናብ ኮሌጅ ከዕብዮ ራኢ ሒዙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሃይለኣብ ገሊጹ።

'ክሳብ ሕጂ ዝጠፍአ ገንዘብ . . .'

ኲናት፣ ማእሰርትን ስቅያትን ካብ ዘለወን ሃገራት ዝሃድሙ መንእሰያት፡ ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ከም ዝረኽቡ ምግባር እቶም ስደተኛታት ብኽብርን ሰላምን ህይወቶም ክመርሑ ኣብ ምግባር ልዑል እጃም ከም ዘለዎ ይግለጽ።

ይኹን’ምበር፡ ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ዘለዎን ኣአንገድቲ ሃገራት ዝነብሩ ልዕሊ 60 ሚታዊት ስደተኛታት ስሩዕ ቁጻር ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላት ድሩት ከም ዝዀኖም ጸብጻባት ኤጀንሲታት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ጋዜጠኛን ተሓላቒት መሰላትን ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ቀጻሊ ጕዕዞ ስደት ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝብል እምነት’ዩ ዘለዋ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ከም ዩጋንዳ ዝበላ ንስደተኛታት ዝምችእ ፖሊሲ ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ ሰባት፡ ንኸባብያዊ ጸጋጋት ተጠቒሞም ክሰርሑን ክመሃሩን ብምግባር ክረጋገጽ ይኽእል’ዩ ዝብል ተስፋ ኣለዋ።

ሜሮን፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ሰሃራን ሲናይን ብዘጋጥም ዝነበረ መጭወይትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ብዝሰምዓቶ ዘሕዝን ታሪኻት ስደተኛታት ኣዝያ ከም ዝተሃሰየት ክትገልጽ እንከላ፡ እዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 “ኣብ ጭንቀትን ቅዛነትን ኣእቲዩኒ’ዩ” ትብል።

“ስለዚ፡ እንታይ ክገብር ይኽእል ኢለ ሓሲበ፤ ናብ ዓድና ክንኣቱ ስለ ዘይንኽእል ግን ስደተኛታት ዝበዝሕሉ ሃገር ብምጽናዕ፡ ነቲ ኣብዚ ዘሎ ናትና ሕብረተሰብ ክሕግዘሉ ዝኽእል ነገር ክርኢ’የ ወሲነ። ኣብ ቢትኮይን፡ ክሰርሕ ዝገበረኒ ድማ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ምልኣኽ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት’ዩ” ትብል።

ነዚ ከተረድእ እንከላ፡ “ኣብ ሲናይ ኤርትራውያን ተጨውዮም ንሓደ ሰብ 40 ሽሕ ዶላር ክፈሉ ዝብሃለሉ ግዜ ነይሩ። እዚ ብዙሕ ገንዘብ እዩ፤ ብሓደ ግዜ ክትልእኮ ዘኽእል ስርዓት የለን። ሽዑ፡ ብዛዕባ ቢትኮይን ምስ ተመሃርኩ እዚ ጸገም ክፈትሕ ይኽእል እዩ ኢለ ሓሲበ። ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ስደተኛ፡ ብሓዋላ እዩ ዝነብር፤ እቲ ሰዳዳይን ተቐባልን ክኣ 20% ይውሰዶም። እዚ ንምፍታሕ ቢትኮይን ሓጋዚ እዩ” ኢላ።

ኣብ በረኻታት ሲናይን ሊብያን ዝተጨውዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምፍታሕ ካብ 2013 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ ብሚሊዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ንዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ተኸፊሉ’ዩ እትብል ሜሮን፡ እዚ ኣብ ዓድና ክውዕል ዝኽእለሉ ዕድላት እንተዝህሉ ነይሩ ህይወት ብዙሓት ዝቕይሩ ዕድላት ምፍጣር ምተኻእለ ትብል።

“ሸውዓተ ግዜ ዝኸፈሉ ቤተሰብ ይፈልጥ’የ፤ ሕጂ ሰብ ናብ ኤውሮጳ ንክሓልፍ እንተበዝሐ ዓሰርተ ሚታዊት ዕድል ኣለዎ፤ 90 ሚታዊት ግን ኣንጻርካ እዩ፤ ምኽንያቱ ሕጂ ሕብረት ኤውሮጳ [ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት] ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ይጥቀሙ’ዮም ዘለው።

"ስለዚ እቲ ዕድላት ጸቢብ ስለ ዝዀነ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዝጠፍእ ዘሎ። ኣብ ዓድና ሰላምን ዲሞክራስን ክሳብ ዘይመጽአ፡ እቲ ስደት ቀጻሊ እዩ። መፍትሒ እዚ ኹሉ ግን ስደት ጠጠው ምባል እዩ” ብምባል ስደተኛታት ኣብተን ዝጸንሑለን ሃገራት ዕድላት ስራሕ ከመቻችኡ ትምዕድ።

ፕሮጀክት ቢትፕኮይን ኢኖቬሽን ሃብ፡ ኣብ ዩጋንዳ ቢዝነስ ክኸፍቱ ንዝደልዩ ብሓደ ሸነኽ ሓሳብን ክእለትን ብኻልእ ሸነኽ ድማ ገንዘብ ንዘለዎን ሰባት ብምርኻብ፡ 25/75 ሚኢታዊት ብጽሒት ዝሕዝሉ ኵነታት ኣብ ምምችቻእ’ውን ከም ዝሰርሕ ብምግላጽ፡ “እዚ ብምግባር ስደት ጠጠው ንምባልን ዕድላት ናብዚ ንምምጻእን ኢና ንሰርሕ ዘለና” ኢላ።

ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኣብ ካምፓላ ማእከል ቢትኮይን ኢኖቬዥን ብምኽፋት ስደተኛታት ሞያዊ ስልጠና ክረኽቡ ትገብር ኣላ
መግለጺ ስእሊ,ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኣብ ካምፓላ ማእከል ቢትኮይን ኢኖቬዥን ብምኽፋት ስደተኛታት ሞያዊ ስልጠና ክረኽቡ ትገብር ኣላ

ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2023 ክሳብ 117.3 ሚሊዮን ሰባት ብኣስገዳድ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉ ይገልጽ።

“እዞም ስደተኛታት፡ ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉን ሰባት፡ ብሰንኪ ጐንጺ፡ ማእሰርትን ካልኦት ዝተሓላለኹ መልክዓትን ጐንጺ ክመዛበሉን ክስደዱን ዝተገደዱ’ዮም ክብል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንዲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ጐንጺ ድማ፡ “ኣዝዩ . . . ኣዝዩ ልዑል ደራኺ ምዝንባል ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ” ምባሉ ይዝከር።

ሜሮን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ስደታ፡ ኣብ 2002 ኣብ ኤርትራ ንኽትነብር ተመሊሳ’ኳ እንተነበረት፡ ፖለቲካን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን እታ ሃገር ከምቲ ዝተጸበየቶ ስለ ዘይጸንሓ፡ ናብ ሽወደን ክትምለስ ተገዲዳ እያ።

ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ድምጹ ዝተዓብሰ ህዝቢ ድምጺ ክትኮኖ ብምውሳን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዝመደበሩ ኤምዲሰመ ዝተባህለ፡ ማሕበር መንእሰያት ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተወዲባ ኣብ ራድዮ ድምጺ መሰልና ደሊና፡ ክሳብ 2008 ኣንጻር ምልኪ ዝቕንዐ መደባት ከተቃልሕ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ካብ 2008 ኣትሒዛ ድማ፡ ጸገምን ስቓይን ናይቶም ኣብ ሰሃራን ሲናይን ብነጋዶ ደቂ ሰባት ተጨውዮም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝርከቡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብራድዮ ተመሓላልፎ ነይራ።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝምልከት ልዕሊ 12 መጽሓፍቲ ከም ዘዳለወት’ውን ይፍለጥ።

እዞም ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ማእከላት ሞያዊ ስልጠናታት ድማ፡ ነቲ ቀጻሊ ስደትን ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ዝስዕብ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገማትን ስዱድ ማሕበረሰቦም ሞያን ክእለትን ከቕስሙ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው።

“በዓልቲ ሞያ ሕጊ’የ ክኸውን ዝደሊ፤ እዚ ባይታ ክሳብ ዝፍጠር ግን ካልእ ሞያ’ውን ምምሃር ጽቡቕ’ዩ” እትብል ህያብ ክሳብ ሻቡ ዘሎ ግዜና ኰፍ ኢልና ክንከስሮ ኣይግባእን ኢላ።

“ስራሕን ትምህርትን ክልቲኡ ሓቢሩ ይኸይድ’ዩ። ንሕና ከኣ ተማሂሮም፡ ዕድል ስራሕ’ውን ንፈጥረሎም ኢና። ስደተኛታት ኰይኖም ዓቕሚ ዘይብሎም፡ ሓጋዚ ዘይብሎም ይመጽኡና እዮም። ንዝዀነ ራኢ ዘለዎ ሰብ ተማሂሩ ክኸፍለና’ዩ ስለ ንብል ስቕ ኢልና ኢና ንምህር” ትብል።