ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ፡ 'ንስደተኛታት ንዕርበቶም ናብ ባሕሪ ደርብዮሞም' መሰኻኽር ዓይኒ

ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ለሰለስተ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዝሞቱ ዓሰርተታት ስደተኛታት ተሓታቲ ምዃኖም መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።

ካብዚኦም እቶም ትሽዓተ ብፍላጥ ናብ ባሕሪ ዝተደርበዩ እዮም። ንሳቶም፡ ካብ ግዝኣታዊ ማያት ግሪኽ ብግዴታ ናብ ባሕሪ ምስ ተመልሱ ካብ ዝሞቱ ልዕሊ 40 ሰባት ምዃኖም መርመራ ቢቢሲ የረጋግጽ።

ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ንመርመራ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ንኹሉ ክስታት ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ብትሪ ከም ዝነጽጐ ሓቢሩ’ሎ።

ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ነበር፡ 12 ሰባት ኣብ ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ተጻዒኖም፡ ድሕሪኡ ናብ ሓንቲ ረሳሕ ጃልባ ከም ዝተደርበዩ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣርኢናዮ።

እቲ ማይክ [መቕድሒ ድምጺ] ገና ተወሊዑ እንከሎ ካብ መንበሩ እናተንሰአ፡ " ዘይሕጋውን ዓለምለኻዊ ገበንን እዩ” ኢሉ።

መንግስቲ ግሪኽ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንስደተኛታት ብግዴታ ንድሕሪት ብምምላስ፤ ሰባት ናብታ ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ ቱርኪ ከምዝመልስ ይኽሰስ። እዚ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ።

ቢቢሲ፡ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ብሰንኪ ተግባራት ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ፡ ሞት ከም ዘጋጠመ ዝገልጹ ብዝሒ ፍጻመታት ኣኻኺቡ ዝጽብጽብ ዘሎ።

እቶም ዝተተንተናዮም 15 ፍጻመታት ካብ ግንቦት 2020 ክሳብ 23 ኰይኖም ሞት 43 ሰባት ኣስዒቦም።

እቶም መባእታዊ ምንጭታት ከኣ፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ማዕከናት ዜና፣ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ሓለዋ ባሕሪ ቱርኪን እዮም።

ንከምዚ ዓይነት ጸብጻባት ምርግጋጽ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይጠፍኡ፣ ወይ ድማ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሑ ኣይዛረቡን እዮም።

ኣብ ኣርባዕተ ካብዚ ጉዳያት ግን፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምዝርራብ ከነረጋግጾ ክኢልና ኣለና።

ካሜሩናዊ ስደተኛ

ኣብ ሓሙሽተ ካብቶም ፍጻመታት፡ ስደተኛታት ብሰበስልጣን ግሪኽ ብቐጥታ ናብ ባሕሪ ከም ዝተደርበዩ ይገልጹ።

ኣብ ኣርባዕተ ካብቶም ጉዳያት ከኣ ከመይ ጌሮም ኣብ ደሴታት ግሪኽ ከም ዝበጽሑ ግን ከኣ ከም ዝተሃደኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ካልኦት ብዙሓት ፍጻመታት፡ ስደተኛታት፡ ሞተር ኣብ ዘይብለን ናይ ፕላስቲክ ጀላቡ ከምዝተጻዕኑን፡ ዳሕራይ እተን ጀላቡ ከም ዝነፈሳ ወይ ዝተበስዓ ኣረዲኦም።

ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ካሜሩናዊ ሰብኣይ ዝሃቦ ምስክርነት ኰይኑ፡ ኣብ መስከረም 2021 ናብ ደሴት ሳሞስ ምስ በጽሐ ብሰበስልጣን ግሪኽ ከም ዝተሃድነ ይዛረብ።

ልክዕ ከም ኩሎም ቃለ መሕትት ዝገበርናሎም ሰባት ንሱ’ውን ኣብ መሬት ግሪኽ ዑቕባ ክሓትት መደብ ከም ዝነበሮ'ዩ ገሊጹ።

“ዳርጋ ኣብ ወደብ ክንኣቱ ምስ ቀረብና ብድሕሬና ፖሊስ መጺኦም” ኢሉ።

“ክልተ ጸሊም ክዳን ዝለበሱ ፖሊስ፡ ካልኦት ሰለስተ ድማ ሲቪል ዝተኸደኑ ነይሮም። መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ስለ ዝገበሩ ኣዒንቶም ጥራይ ኢኻ ትርእዮም” ይብል ነቲ ኩነታት ከረድእ እንከሎ።

ንሱን ካልኦት ደቂ ካሜሩንን ኣይቮሪኮስትን ክልተ ሰባት ናብ ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ከም ዝተሰጋገሩ ዝሕብር እዚ ስደተኛ፡ ኣብኡ እቲ ፍጻመ ናብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከም ዝተለወጠ ተዛሪቡ።

“በቲ [ካልእ] ካሜሩናዊ እዮም ጀሚሮም። ኣብ ማይ ደርብዮሞ። እቲ ኣይቮሪኮስትያዊ ሰብኣይ ከኣ ‘ኣድሕኑኒ፤ ክመውት ኣይደልን’የ...’ ይብል ነይሩ። ደሓር ኣብ መወዳእታ ኢዱ ጥራይ ልዕሊ ማይ ትረአ ነበረት፡ ኣካላቱ ግን ኣብ ውሽጢ ማይ ጥሒሉ ነይሩ። ቀስ እናበለ ኢዱ ተዓበጠ፤ ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ማይ ወሓጦ” ክብል ኣረዲኡ።

እቲ ቃለ መሕትት ዝገበርናሉ ሰብ ጨወይቱ ከም ዝሃረምዎ ይዛረብ።

“ ከምዚ ንእንስሳ ዝሃርሙ ዘለው፡ እብ ርእሰይ ማህረምቲ ይዘንብ ነይሩ” ይብል።

ደሓር ከኣ ንዕኡ እውን ብዘይ መድሕን ህይወት ጃኬት ናብ ማይ ደፈኦምዎ። ግን ሓምቢሱ ናብ ገማግም ባሕሪ ከምዝበጽሐ ይዛረብ።

ሬሳ ናይቶም ካልኦት ክልተ - ሲዲ ኬታን ዲድየር ማርሻል ኩኣሞው ናናን ዝበሃሉ ስደተኛታት ግን ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ'ዩ ተረኺቡ።

ጠበቓታት ናይቲ ዝደሓነ ሰብ፡ ሰበ ስልጣን ግሪኽ ን‘ድርብ ቅትለት’ ዝምልከት ክሲ ክኸፍቱ ይጠልቡ ኣለዉ።

ካልእ ካብ ሶማል ዝመጽአ ሰብኣይ፡ ኣብ መጋቢት 2021፡ ኣብ ደሴት ኪዮስ ምስ በጽሐ፡ ብኸመይ ብሰራዊት ግሪኽ ከም ዝተታሕዘን፡ ድሕሪኡ ናብ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ከም ዘረከብዎን ንቢቢሲ ኣዘንትዩ።

ሓለዋ ባሕሪ፡ ንዕኡ ቅድሚ ናብ ማይ ምድርባዮም ኣእዳዉ ንድሕሪት ከም ዝኣሰርዎ ይዛረብ።

“ኣሲሮም ኣብ ማእከል ባሕሪ ደርብዮምኒ። ክመውት ደልዮምኒ” ኢሉ።

ንሱ፡ ሓንቲ ኢዱ ካብቲ ዝተኣሰሮ ቅድሚ ምፍታሓ ብሕቖኡ ብምንስፈፍ ብህይወት ክጽንሕ ከም ዝኸኣለ’ዩ ገሊጹ።

እቲ ባሕሪ ዘይርጉእ ስለ ዝነበረ ግና ሰለስተ ካብ ጉጅልኡ ሞይቶም።

እቲ ቃለ መሕትት ዝገበርናሉ ሰብ ኣብ መወዳእታ ሓለዋ ባሕሪ ቱርኪ ክርእይዎ ናብ ዝኽእልሉ ቦታ ክበጽሕ በቒዑ።

ኣብቲ ዝለዓለ ክሳራ ህይወት ዘጋጠመሉ ናይ መስከረም 2022 ፍጻመ፡ 85 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ጥቓ ደሴት ሮድስ ግሪኽ፡ ሞተራ ምስ ጠፍአ ኣብ ሓደጋ ወደቐት።

ሶርያዊ መሓመድ ከም ዝበሎ ሽዑ ህይወቶም ንምትራፍ ናብ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ጻውዒት ሓገዝ ኣቕሪቦም።

ግን ከኣ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ’ውን ነቶም ስደተኛታት ኣብ ጃልባ ጽዒኖም ናብ ማያት ቱርኪ ከም ዝመለሱዎምን ካብ ፕላስቲክ ኣብ ዝተሰርሓ ጃልባ ከም ዘእተዎምን ሓቢሩ።

እንተዀነ መሓመድ፡ እታ ንዕኡን ስድርኡን ዝተዋህበቶም ናይ ፕላስቲክ ጃልባ እትንፍሓሉ ኣፋ ብግቡእ ከም ዘይተዓጽወ ይዛረብ።

"ብኡ ንብኡ ክንጥሕል ጀሚርና። ክንጥሕል እንከለላ ይርእዩና ነይሮም... ኩላትና ክነእዊ ሰሚዖምና፤ ግን ድማ ገዲፎምና ከይዶም" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“እቲ ቀዳማይ ዝሞተ ቆልዓ ወዲ፡ ወዲ ሓወቦይ እዩ። ብድሕሪኡ በብሓደ ክሞቱ ጀሚሮም። ካልእ ቆልዓ. . . ስዒቡ ካልእ ቆልዓ . . . ድሕሪኡ ባዕሉ ወዲ ሓውቦይ ጠፊኡ። ክሳብ ወጋሕታ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ቆልዑ ሞይቶም። ደቀይ ክሳብ ንግሆ ኣይሞቱን... ልክዕ ቅድሚ ሓለዋ ባሕሪ ቱርኪ ምምጽኡ” ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጹ።

ሕጊ ግሪኽ፡ ኩሎም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ብዙሓት ካብተን ደሴታት ኣብ ዝርከባ ፍሉያት ማእከላት መሕተት ዑቕባ ክምዝግቡ ይፈቅድ።

እቶም ንስደተኛታት ደገፍ ዝህብ ‘ኮንሶሊዴትድ ረስኪው ግሩፕ’ ዝተባህለ ኣካል ዝረኸብናዮምን ቃለ መሕትት ዝገበርናሎምን ሰባት ግን ናብተን ማእከላት ቅድሚ ምብጽሖም ከም ዝተታሕዙ እዮም ተዛሪቦም።

ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ዝሓቱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ግሪኽ ናብ ቱርኪ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተገዲዶም ከምዝምሱን ኣብ ሕግታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተሰነደ ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰል ከም ዝተኸልከሉ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ኦስትርያዊ ተጣባቒ መሰላት ፋያድ ሙላ፡ ከምዚ ዓይነት ስርሒታት ክሳብ ክንደይ ምስጢራዊ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ኣብ ደሴት ሌስቦስ ግሪኽ ነዚ ጉዳይ ከም ዘረጋገጸ ሓቢሩ።

እቲ ኣባል ፖሊስ ኣብ ቅድሚ መኪና ፋያድ

ምንጪ ስእሊ,FAYAD MULLA

ሓበሬታ ምስ በጽሖ ናብቲ ስደተኛታት ተገዲዶም ዝተመልሰሉ ቦታ ገጹ እናተጓዕዘ፡ ሓደ ቆቢዕ ዘለዎ ጎልፎ ዝለበሰ ሰብኣይ ደው ኣቢልዎ። እቲ ሰብኣይ ምስ ፖሊስ ከም ዝሰርሕ ድሒሩ እዩ ተረጋጊጹ።

ሽዑ እቲ ፖሊስ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ሰብኣይ፡ ንፋያድ ደው ክብሎ እንከሎ ዝረኣየሉ ብ ‘ዳሽካም’ መኪና ዝተቐድሐ ቪድዮ ክድምስሶን፡ ነቲ ተጣባቒ መሰላት ንኣባል ፖሊስ ብምቅላስ ክኸሶን ከምዝፈተነ ፈቲኑ።

ኣብ መወዳእታ ግን ተወሳኺ ስጉምቲ ኣይተወሰደን።

ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ፡ ፋያድ ሙላ ኣብ ‘ዘ ኒውዮርክ ታይምስ’ ዝተሓተመ ብግዴታ ዝፍጸም ምምላስ ስደተኛታት ዘርእይ ቪድዮ ስኢሉ።

ደቂ ኣንስትዮን ዕሸላትን ዝሓቖፈት ጉጅለ ካብ ሓንቲ ዝኾነ ምልክት ዘይብላ መኪና ተራጊፎም ናብ ንእሽቶ ጃልባ ክጸዓኑ ይረኣዩ።

ብድሕሪኡ ካብ ገማግም ባሕሪ ርሒቓ ናብ እትርከብ መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ተሰጋጊሮም። ድሕሪኡ ኣብ ንእሽቶ ተንሳፋፊት ጃልባ ተጻዒኖም ብኣኣ ሰለይ ከምዝብሉ ኮይኖም።

እዚ ቢቢሲ ዘረጋገጾ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣብ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ሓላፊ ፍሉይ ስርሒታት ነበር ዲሚትሪስ ባልታኮስ ኣርኢናዮ።

ኣብቲ ቃለ መሕትት፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ እንታይ ከም ዘርኢ ርእይቶ ክህበሉ ኣይደለየን።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝርርብና ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዘይሕጋዊ ዝዀነ ነገር ክፍጽሙ ከም ዝግደዱ ንዝገልጽ ክሲ ነጺጉዎ ነይሩ።

ካብቲ ዝካየድደሉ ዝነበረ ቃለ-መሕትት፡ ዕረፍቲ ምስ ወሰደ ግን ንሓደ ሰብ ብቋንቋ ግሪኽ ክዛረቦ እንከሎ ተቐዲሑ።

“ብዙሕ ኣይነገርኩዎምን ሓቀይ?... ኣዝዩ ንጹር ኣይኰነን ድዩ። እዚ ናይ ኒዩክለር ፊዚክስ ኣይኰነን። ስለ ብቓልዕ ከም ዝገበርዎ ኣይፈልጥን’የ... እዚ... ብዘይጥርጥር ዘይሕጋዊ እዩ። ዓለምለኻዊ ገበን’ዩ” ክብል ተቐዲሑ።

እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብዚ እዋን’ዚ ብናጻ ሃገራዊ በዓል መዚ ግሉጽነት ግሪኽ ይምርመር ከም ዘሎ ሚንስትሪ ጉዳያት ሓይሊ ባሕርን ፖሊሲ ደሴትን እታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ደሴት ሳሞስ ዝመደበራ መርማሪት ጋዜጠኛ ብመንገዲ እቲ ናይ ዕርክነት መተግበሪ (‘ኣፕሊኬሽን’ ኣፕ ቲንደር) ምስ ሓደ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ግሪኽ ከተዕልል ከም ዝጀመረት ትዛረብ።

ኣብታ “መርከብ ውግእ” ኢሉ ዝገለጻ ኰይኑ ምስ ደወለላ፡ ሮሚ ቫን ባርሰን ብዛዕባ ስርሑ ዝያዳ ሓቲታቶ።

ሓይልታቱ፡ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ምስ ዝርእዩ እንታይ ከም ዘጋጠም ሕቶ ኣቕረበትሉ።

ንሱ ድማ “ይመልሱዎም” ክብል መሊሰላ። ከምዚ ዓይነት ትእዛዝ “ካብ ሚኒስተር” [ዝመጽእ] ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነተን ጃልባ እንተዘይዓጊቶመን ከም ዝቕጽዑ ነገራ።

ግሪኽ ወትሩ ነቲ “ናብ ድሕሪት ምምላስ” ዝበሃል ከም ዘይትፍጽሞ እያ ትገልጽ።

እታ ሃገር ንብዙሓት ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ እተእቱ ባብ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 263,048 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክኣትው እንከለው፡ ግሪኽ ካብዚኦም 41,561 (16 ሚእታዊት) ተቐቢላ።

ቱርኪ ናብ ግሪኽ ዝሰግሩ ስደተኛታት ደው ንምባል ኣብ 2016 ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ስምምዕ ፈሪማ እኳ እንተነበረት ኣብ 2020 ግን ክትቐጽሎ ከም ዘይትኽእል ኣፍሊጣ።

ኣባል ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ምስ መርማሪት ጋዜጠኛ

ነቲ ኣብ መርመራና ዝረኸብናዮ ውጽኢት ንሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ኣቕሪብናሉ ነይርና።

ኣባላቱ “ብዝለዓለ ሞያዊ ብቕዓት፣ ሓያል ናይ ሓላፍነት ስምዒት፣ ምኽባር ህይወት ሰብን መሰረታዊ መሰላትን” ከይተሓለሉ ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምጥቃስ “ሃገሮም ንዘለዋ ዓለምለኻዊ ግዴታታት ምሉእ ብምሉእ ከምዘኽብሩ” ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ “ካብ 2015 ክሳብ 2024 ሓለዋ ባሕሪ ሄሌኒክ፡ ኣብ ባሕሪ ኣብ ዘጋጠመ 6,161 ፍጻመታት 250,834 ስደተኛታት ከም ዘድሓነ ክግለጽ ይግባእ። እዚ ኣበር ዘይብሉ ክቡር ተልእኾ ንኣፈጻጽማኡ ብማሕበረሰብ ዓለም ኣወንታዊ ኣፍልጦ ረኺቡ እዩ” ኢሉ።

ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዘጋጠመ ዝዓበየ ምጥሓል መርከብ ስደተኛታት ብዝነበሮ ተራ ንዓመታት ክንቀፍ ጸኒሑ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ሓይሊ ባሕሪ ግሪኽ 600 ህይወት ብዝቐዘፈ ምጥሓል ኣድሪያና ዝተባህለት ጀልባ ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ።

ሰበስልጣን ግሪኽ ግን ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ንምድሓን ዘይፈተኑሉ ምኽንያት እታ ጃልባ ጸገም ስለ ዘይነበራን ብሰላም ናብ ጣልያን ትኸይድ ስለ ዝነበረትን ከም ዝዀነ ይዛረቡ።