JA
Fashion Editor
Donec quam felis ultricies nec, pellentesque eu pretium quis sem. Nulla consequat massa quis enim

Latest releases

ትማሊ ምሸት ኣብ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሎም ዝጽውዑ ጕጅለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጥረ ባእሲ፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኤርትራ ኣብ‘ቲ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል መበል 33 ውድድር ጸወታታት ኦሎምፒክስ፡ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ፡ ብ10 ብስፖርታውያን ክትካፈል ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ World Atheltics ዝተረኸበ ዝርዝር መረድኢታት ኣረጋጊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ጎንደር፡ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ፣ ናብ ቀዳም 06 ሓምለ 2024 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ሓደ ቀሺ ዝርከቦም፡ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕጡቓት፣ ብሳንጃ ተወጊኦም።
ብዙሓት ካብኣቶም ደቂንስትዮን ህጻናትን እዮም።ኣብ ኤርትራ ኣደ ቆልዑ ዝኾና ኣመንቲ ኣዴታት ኣብ ዝቕይዳሉ እዋን፣ ሓላፍነት ናይ ቆልዑ ዝወስድ ኣቦ እንተዘይሃልዩ ክሳብ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻውንቲ ዝርከብዎም ቆልዑ ከይተረፈ ሓቢሮም ምስ ኣዴታቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጎኑ ይፍለጥ።
Load more...